ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜን ኬንያ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናትዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 17 ሰባት ተቀቲሉ ንልዕሊ 40 ሰባት ቆሲሎም


Kenya Church Attacks
Kenya Church Attacks

ትማሊ ሰንበት ዕጡቓት ኣብ ሰሜን ኬንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ጋሪሳ ንዝርከቡ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብምጥቓዖም እንተወሓደ 17 ሰባት ምማቶምን ልዕሊ 40 ሰባት ድማ ምቑሳሎምን ተፈሊጡ። ቀዳማይ ምንስቴር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ መጥቓዕቲ ኮኒኖምዎ ኣለው።

ምስ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኬንያ ካሎንዞ ሙስየካ ብምኻን ኣብ ጋሪሳ ዑደት ዝፍፀሙ ኦዲንጋ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግልፂ ኣብ መንጎ ሙስሊምን ክርስቲያንን ግጭት ንምቕስቃስ ዓሊሙ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎምዎል።

"ኣብያተ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ይፍፀሞም ኣሎ።እዚ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ምስልምና መጥቓዕቲ ምእንታ ክፅሙ ኣመንቲ ምስልምና መጥቓዕቲ ይፍፀሞም ኣሎ ዝብል ትርጉም ንኽሕዝ እዩ ዝፍተን ዘሎ።ንሕና ካብኦም ንላዕሊ ንፈልጥ ኢና።እዚ ጉዳይ ሃይማኖት ኣይኮነን።እዚ ወታደራትና ኣብ ሱማሊያ ይግስግሱ ስለዘለው ተስፋ ብምቑፃርፅ ብኣሸበርቲ ይውሰድ ዘሎ መጥቓዕቲ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣርባዕተ ዑጡቓት ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ኣፍሪካን ኢንላንድ ቸርች ንዝተብሃለ ቤት ክርስቲያን ኣጥቒዖም።እቶም ፈፀምቲ ገፆም ብማስክ ተሽፊኖም ከምዝነበሩ ናይቲ ከባቢ ኣዛዚ ፖሊስ ፊሊፕ ዶሎ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።ክልተ ናይ ኢድ ቦምብታት እውን ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝደርበዩ ተገሊፁ’ሎ።ካብቶም ዝተቐተሉ ክልተ ፖሊሳት እዮም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኬንያ ንዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ሱማሊያዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብን ደገፍቱን ይኽሰሱ።

XS
SM
MD
LG