ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ ተርእዮ ሕማም ሸሮኽን ቺክንጉያ ንኣገልግሎት ጥዕና’ታ ሃገር ይዕብልል


ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ‘ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ’ ናይ መጀመርያ ዝተባህለ ተርእዮ ሕማም ሸሮኽን ቺክንጉያን ዝተባህለ ብመንከስቲ ጣንጡ ዝስዕብ ሕማም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ንኣገልግሎት ጥዕና’ታ ሃገር ይዕብልል’ሎ ይብሉ።

ተርእዮ እቲ ሕማም ካብ ዝጅምር 17 ኣዋርሕ ከምዘቑጸረ ዝሓበረ ትካል ‘ዶብ ኣልቦ ሓካይም ’ ኣብ ማንደራ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ 12 ሰባት በቲ ሕማም ምሟቶም ሓቢሩ። ኣብዚ ከባቢ ኣስታት 800 በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ከምዘለውዎ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ 'ዶብ ኣልቦ ሓካይም' ጨንፈር ኣብ ኬንያ ዳይሬክተር ሊስበዝ ኣልበርትች ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ክብላ የረድኣ።

‘ እቲ ዘሕዝን ኣጋጣሚ’ቲ ለበዳ ሸሮኽ ጎኒ ጎኒ’ቲ ቺክንጉያ ዝተባህለ ብመንከስቲ ጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም ምምጽኡ’ዩ። ንዓና ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ክልተ ዓይነት ሕማማት ብሓደ እዋን ኣብ ሓደ ጊዜ ከጋጥም እዚ ናይ መጀመርያ’ዩ።’

ትካል ‘ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ’ ብተወሳኺ ኣባላት ማንደራ መወከሲ ሆስፒታል ብሕሙማት ሸሮኽ ከምተዓብለሉን ንሕሙማት ቺክንጉያ ሕኽምና ንምሃብ ይቃለሱ ከምዘለው ይገልጽ።

ሕማም ቺኩንግያ ብመንከስቲ ጣንጡ ዝስዕብ ሕማም ኾይኑ ኽቱር ቃንዛ ዘለዎ ሓደገኛ ሕማም ምኳኑን ንብዙሓት ኣባላት’ቲ ኣገልግሎት ጥዕና’ውን ይጸልው ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ’ታ ሃገር ኣስታት 260 ብሕማም ቺክንጉያ ተጠቒዖም ክኾኑ ይኽእሉ ዝተባህሉ ጥርጡራት ሰባት ከምዘለው ካብዚኦም እቶም ሸውዓተ ብምርመራ ላብራቶሪ ዝተረጋገጸ ከምዝኾነ ይገልጹ።

ዳይሬክተር ጨንፈር 'ዶብ ኣልቦ ሓካይም' ኣብ ኬንያ ብወገነን መንግስቲ ዝሓሸ ግብረ-መልሲ ክህብን ኣብ ምክትታል ጥዕና ጹሩይ ዝስተ ማይ ድማ ልዑል ወፍሪ ከካይድ ጸዊዓን።

ሚኒስተር ጥዕና ከባቢ ማንደራ ብወገኑ እቲ ከባቢ ምስ ጎረቤት ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልን ዘለዎ ቅርበት ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ዝከአሎ ኩሉ ይገብር ከምዘሎ ይገልጹ።

ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ጥዕና’ታ ሃገር ተርእዮ ሕማም ሸሮኽ ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጥም ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2014 ጀሚሩ ኣስታት 15,000 ሕሙማት ሸሮኽ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ከምዝተራእዩ ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG