ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ኬንያ ንልዕሊ 650 ሰባት ኣሲሮም


ፖሊስ ኬንያ
ፖሊስ ኬንያ
ሰበስልጣን ኬንያ ትማሊ ሰኒ ኣብ ከተማ ናይሮምቢ ቦምብ ተተኲሱ እንትወሓደ ሽድሽተ ሰባት ድሕሪ ምማቶምን ካልኦት 25 ሰባት ድማ ድሕሪ ሙቕሳሎምን ሱማሊያዊያን ኣብ ዝነብርሉ ኽፋል ከተማ ናይሮቢ ንልዕሊ 650 ሰባት ምእሳሮም ኣፍሊጦም።

ዋና ፀሓፊ ካብኔት ውሽጢ ሃገር ጆሴፍ ኦሌ ሌንኩ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ትማሊ ሰኒ መጥቓዕቲ ቦምብ ንዝፈፀሙ ንምሓዝ ፀጥታዊ ስርሒት ተኻይዱ ኢሎም።ኦሌ ሌንኩ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት፣ኣንፃር ንፁሃንን ኣፍቀሪ ሰላምን ኬንያዊያን ዝተፈፀመ ባርባራዊ ናይ ፈረሓት መጥቓዕቲ እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ።

ሓልፊ ፖሊስ ኬንያ ቤንሶን ኩበይ ኬንያዊያን ደሕንነቶም ዝተሓለው እዩ ክብሉ ትማሊ ምሸት ሰኒ መረጋገፂ ብምሃብ ፈፀምቱ እውን ክንሕዞም ኢና ኢሎም።ናትኩምን ናተይን ደሕንነት ውሑስ ምዃኑ ንምርግጋፅ ኢና ኣብዚ ንርከብ ዝበሉ ንሶም ብምውሳኽ ‘’ምርዓድ ኣየድልን።መንግስቲ ነዚን ንካሊእ ግብረሽበራን ኣብ ምፅራይ ዓብዪ ስርሐይ ኢሉ ሒዙዎ’ሎ’’ኢሎም።

እቲ ፍንጀራ ኣብ ጥቓ ሓደ መሸጢ ምግቢን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክልኒክን እዩ በፂሑ።ኣሽሓት ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ኣብ ዝነብርሉ ኢስትለይ ኣብ ዝተብሃለ ኽፋል ከተማ ናይሮቢ።
ፖሊስ ንልዕሊ ሰለስተ ስዓታት ዝኸውን ግዜ ፈቐዶ ገዛ እናዞረ ንኣል-ሸባብ ዝድግፉ ንምሓዝ ፍተሻ ኣካይዱ’ሎ።

ፖሊስ ንዝረኸብዎም ሰባት ወረቐት መለለዪ መንነት ከርእዩ ብምሕታት፣ንገዛውቶም እውን ክፍትሽ ከምዘምሰዩ ዝበፅሐና ዜና ይሕብር።

መብዛሕቲኦም ዝተኣሰሩ ብመንግስቲ ኬንያ ዝውሃብ መንነት ወረቐት ክሕዙ ዘለዎም ሱማሊያዊያን ስደተኛታት እዮም።

ኣብ ኬንያ ማዕበላት መጥቓዕቲ ምስተፈፀሙን ኣል-ሸባብ ኣብታ ሃገር ብዝፈጠሮ ስግኣትን ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ናብ ዝተመደበሎም ናይ መዕቖቢ ማእኸላት ንኽምለሱ ሰበስልጣን ኬንያ ኣዚዞም።

ሰበስልጣን ፀጥታ እታ ሃገር ነቲ ናይትማሊ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ሰባት ክሳብ ዝርከቡ ተወሳኺ ማእሰርቲ ክህሊ እዩ ኢሎም።

ኣባል ፓርላማ ኬንያ የሱፍ መሓመድ ዓብዲ መንግስቲ ብጅምላ ምቕፃዕ ከይኮነስ ኣብ ኢስትለይ ዝካየድ ስርሒት ፀጥታ ብስለያ ዝተደገፈ ፅፉፍ ክኸውን ፀዊዖም።
ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
XS
SM
MD
LG