ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ እንደገና ግዳይ ሸበራዊ ጥቅዓት ኮይና


መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞ ዕዳጋ
መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞ ዕዳጋ
ኣብ ናይሮቢ ንሓንቲ ሚኒባስን ስፍራ ዕዳጋን ዒላማ ዝገበረ ሓደጋ ቦምብ ብውሑድ ንዓሰርተ ሰባት ቀቲሉ፣ንሰብዓ ኣቁሲሉ።እዚ ዳሕረዋይ ሓደጋ ዘጋጠመ ኣሜሪካን እንግሊዝን ናብ ኬንያ ዝግበር መገሻ ብጠንቂ ሸበራዊ መጠንቀቂ ድሕሪ ምቅላሐን‘ዩ።

ንክልቲኦም ሓደጋታት ቦምብ ኣብ ጥቅሚ ዝዋዓለ ተባራዒ፣ገዛ ሰራሕ ዓይነት ቦምብ‘ዩ ይብሉ መርመርቲ።

ፖሊስ ናይሮቢ ሳላ ህዝቢ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ፣ጥርጡራት ተታሒዞም ኣለው ይብል።እቲ ጥርጡር ኬንያዊ‘ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሰለስተ ሚእቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ይዛነዩ ዝነበሩ እንግሊዛውያን ሃገሮም ድሕሪ ዝሃበቶ መጠንቀቂ ስሒቦም‘ለው።ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ግና ከም‘ዚ ዝዓይነቱ መጠንቀቂ፣ንፈጠርቲ ራዕዲ‘ዩ ዘሸድን ኢሎም።

”በቶም ዝጠቅስዎም ሰባት ተመሳሳሊ ግብሪ ትማሊ‘ውን ተፈፂሙ‘ዩ። መጠንቀቂ ምሃብ፣ኣብ ክንዲ ንዓና ነቶም ኣሸበርቲ‘ዩ ዘጠናኽር።ኩሉ ነገር ምስተገብረን ምስተባሃለን ግና፣ከምመጠን ሃገር ስራሕና ክንዓይን ንቅድሚት ክንምርሽን‘ዩ ዝግባእ።ክንዲ ዝካኣለና ክንሰርሕ ኢና”በሉ ንሶም።

ኣብ ሞምባሳ ሓላፊ ዘፈር ቱሪዝም ጁኣብ ታምቦ ብወገኖም፣ከም‘ዚ ዝዋሃብ ዘሎ መጠንቀቂን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ቦምብን ዘሻቅል‘ዩ ይብል፣

”ኣብ‘ዚ ንዛረበሉ ሰዓት ቱሪስታት ካብ‘ዚ ከባቢ ይወፁ‘ዮም ዘለው።ምስሓብ ዝቅፅል‘ውን‘ዩ ዝመስለኒ።ምሳይ ግድን ዘረዳደአኩም ሓደ ነገር ኣሎ፣ብጠንቁ፣ ናይ ቱሪስት ከባቢታትን ሆቴላትን ይዕፀው‘ዮም ዘለው” ኢሉ ንሱ።

ኣብ ኬንያ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዝዝርገሖ መግለፂ፣ኣሜሪካውያን ከጋጥሞም ካብ ዝኽእል ሸበራዊ ሓደጋን መጥቃዕቲን ክጥንቀቁ ኣተሓሳሲቡ‘ዩ።

እቲ መግለፂ፣ሸበራዊ ጥቅዓት፣ርእሰ-ቅትለታዊ፣ኣብ መኪና ዘጋጥም ሓደጋ ቦምብ፣መጭወይቲ፣ኣብ ነፈርቲን መርከብን ዝፍፀም ጥቅዓት ክኸውን ይኽእል‘ዩ ኢሉ‘ሎ።

መንግስቲ ኬንያ ግና ፀጥታ ሃገር ውሑስ‘ዩ፣ሓይልታቱ ድማ ዘተኣማምኑ‘ዮም ዝብል መረጋገፂ ንዜጋታቱን ቱሪስታትን ደጋጊሙ ሂቡ‘ዩ።ግን ብጠንቂ‘ቲ ሎሚ ዓርቢ እንደገና ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ቦምብ ኬንያ ፀጥታኣ ዘተኣማምን‘ዩ ኢልካ ንምእማን ተወሳኺ ጊዜ ከምዘድሊ እቲ ዜና ይሕብር።
XS
SM
MD
LG