ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገምገም ባሕሪ ኬንያ ንልዕሊ 48 ሰባት ዝቐተለ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ እዩ ክብሉ ሰበ ስልጣን ኬንያ ገሊፆም።ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፀጥታ ንቶም ቐተልቲ ንምህዳን ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም ኣለው ኢሎም።

ትማሊ ሰንበት ለይቲ ዕጡቓት ኣብ ገምገም ባሕሪ ንእትርከብ ንእሽተይ ከተማ ፔከቶኒ ድሕሪ ምውራሮም ሓደ ፖሊስ ሓዊሱ ዓሰርተታት ተቐቲሎም፣ካልኦት ደርዘናት ሰባት ድማ ቖሲሎም።
ሰበስልጣን ኬንያን መሳኻኽር ዓይንን ከምዝበልዎ እቶም ዕጡቓት ነታ ከተማ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ብምጥቓዕ ንደቂ ተባዕቲዮ ዒላም ከምዝገበሩ ይገልፁ።

ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ማይክል ዪበይ ናብቲ ቦታ ንረድኢ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ተተኵሱዎምን ብበሊሕ ተወጊኦምን ዝሞቱ ሰባት ፈቖዶ ጎደናታት ተደርቢዮም ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።

ቅድሚ ኩሉ ዝወደቑ ሬሳታትን ዝዓነው ንብረታትን ምርኣዮምን እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ይጥቀሙለን ዝነበራ ብሽክለትታን ተደርቢየን ከምዝተዓዘቡን ሓቢሮም።
ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ከባቢ ዝተዛረቡ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ዝበፅሐ እቲ መጥቓዕቲ ምስተፈፀመ ድሕሪ ብዙሕ ስዓታት እዩ።

ምንስቴር ውሽጢ ሃገር ጆሴፍ ኦሌ ግን ፖሊስ ንቶም ኣጥቓዕቲ ከምዘባረሩዎም ካብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘’ሓይልታት ፀጥታ ነቲ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ንኽህቡ ተዋፊሮም፤ ድሕሪ ፅዑቕ ቶኺስ ድማ እቶም ሽፍታታት ናብ ጫካ ሃዲሞም’’ኢሎም።
ደንጉዩ ብዝበፅሐና ዜና ድማ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ነቶ መጥቓዕቲ ኣነ እየ ፈፃሚኡ ክብል ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።
XS
SM
MD
LG