ጥርጡራት ኣል-ሸባብ ኣብታ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት እንተወሓደ 52 ሰባት ዝቐተሉላ ናይ ኬንያ ከተማ Mpeketoni ካልኣይ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ን15 ሰባት ቐቲሎም።
ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ሎማዕንቲ ሰሉስ ንህዝቢ ኬንያ ኣብዘስምዕዎ መደረን ብመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቶምን ነቲ መጥቓዕቲ ፈፀምቱ ኣል-ሸባብ ኣይኮኑን ኢሎምዎ።ኣብ ከተማ ፔከቶኒ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣዝዩ ብዝተዋደደን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎን ኣብ ልዕሊ ኬናዊያን ማሕብረሰብ ዝተፈፀመ ዓሌት ተኮር መጥቓዕቲ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊ መርበብ ኣብ ትልምን ኣፈፃፅማን እዚ ኣረሜናዊ ገበን ዝተሳተፈ ንምዃኑ መርትዖ ኣሎ ክብሉ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ሓቢሮም።።
ፖሊስ እቲ ከባቢ ሎማዕንቲ ሰሉስ ከምዝገለፆ ግን ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ናብ ሎማዕንቲ ኣብዘውግሐ ነታ ከተማ ብምውራር ንሰባት ብምቕታል ብዙሓት መንበሪ ገዝውቲ ኣቃፂሊ ክብል መግለፂ ሂቡ’ሎ።
ዕጡቓት መጥቓዕቲ ኣብዝፈነውሉ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ንመራኸቢ ናውትታት ከምዘዕነውዎ ምንስቴር ውሽጢ ዓዲ ጆሴፍ ኦሌ ሌንኩ ገሊፆም።
ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ሓልፍነት ብምውሳድ ኣስታት 20 ዝኾኑ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ’ሎ።እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ንኣስታት 52 ሰባት ሞት ምኽንያት ዝኾነ ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እውን ኣነ እየ ፈፃሚኡ ኢሉ’ሎ።
ብርክት ዝበላ መኻይን ዝሓዙ 30 ዝኾኑ ዕጡቓት ናብታ ከተማ ብምእታው ንሆቴላት፣ፖልስ ጣቢያ፣መንበሪ ኣባይትን መንግስታዊ ትካላትን ከምዘጥቕዑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።ገሊኦም ዝተቐተሉ ፅዋዕ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ተኣኪቦም ይሪኡ ዝነበሩ እዮም።
ኣብታ ከተማ ፀጥታ ስለዘየለ ውጥረትን ፍርሕን ነጊስ ከምዘሎ ነበርቲ ይገልፁ።
እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ከተማ ሞምባሳ ንዝተቐተሉ እስልማዊያን ምምህራን ሒነ ንምፍዳይ እዩ ክብል ኣል-ሸባብ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብታ ከተማ ሓያሎ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ተቐቲሎም እዮም።
ኬንያ ናይ ኵናት ዞባ እያ ክብል ብምእዋጅ በፃሕትን ወፅእተኛታትን ካብታ ሃገር ንኽርሕቑ እውን ኣል-ሸባብ ፀዊዑ’ሎ።
ኣብ ናይሮቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ምንስቴር ውሽጢ ዓዲ ጆሴፍ ሌንኩ መንግስቲ ነዚ ኣረሜናዊ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም እዩ ኢሎም።ብምስዓብ ‘’ኣብ ጫካ ይሃልው ኣብ ውሽጥና፣ኣብ ወፃኢ ይንበሩ ኣብ ከባቢና፣ፖለቲከኛታት ይኹኑ ነጋዶ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ክነረጋግፅ ኢና’’ኢሎም።
ወሃቢት ቃል ምንስቴር ጉድያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጄን ሳኪ ነቲ መጥቓዕቲ ኣረሜናዊ ክብላ ብፅኑዕ ኮኒነንኦ ኣለዋ።ፀጥታ ኬንያን እቲ ዞባን ብዝምልከት ምስ ኬንያ ምስራሕና ክቕፅል እዩ ኢለን።
ኣል-ሸባብ ወታደራታ ንዑኡ ንምውጋእ ናብ ሱማሊያ ኣብ ልዕሊ ዝለኣኸት ኬንያ ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ክፍፅም ፀኒሑ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ናይ ዕዳጋ ማእኸል ንልዕሊ 60 ሰባት ምቕታሉ እውን ይዝከር።