ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ኣብ ኬንያ ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ 17 ሰባት ተቐቲሎም


ቀዳማይ ምንስቴር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ መጥቓዕቲ ኮኒኖምዎ

ትማሊ ሰንበት ዕጡቓት ኣብ ሰሜን ኬንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ጋሪሳ ንዝርከቡ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብምጥቓዖም እንተወሓደ 17 ሰባት ምማቶምን ልዕሊ 40 ሰባት ድማ ምቑሳሎምን ተፈሊጡ።ቀዳማይ ምንስቴር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ መጥቓዕቲ ኮኒኖምዎ ኣለው።

ምስ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኬንያ ካሎንዞ ሙስየካ ብምኻን ኣብ ጋሪሳ ዑደት ዝፍፀሙ ኦዲንጋ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግልፂ ኣብ መንጎ ሙስሊምን ክርስቲያንን ግጭት ንምቕስቃስ ዓሊሙ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎምዎል።

ኣርባዕተ ዑጡቓት ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ኣፍሪካን ኢንላንድ ቸርች ንዝተብሃለ ቤት ክርስቲያን ኣጥቒዖም።እቶም ፈፀምቲ ገፆም ተሽፊኖም ከምዝነበሩ ናይቲ ከባቢ ኣዛዚ ፖሊስ ፊሊፕ ዶሎ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።ክልተ ናይ ኢድ ቦምብታት እውን ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝደርበዩ ተገሊፁ’ሎ።ካብቶም ዝተቐተሉ ክልተ ፖሊሳት እዮም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኬንያ ንዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ሱማሊያዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብን ደገፍቱን ይኽሰሱ።

XS
SM
MD
LG