ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ሓድሽ ም/ፕረዚደንት ትምዝዝ


ኬንያ ሓድሽ ም/ፕረዚደንት ትምዝዝ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00

ኬንያ ሓድሽ ም/ፕረዚደንት ትምዝዝ

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ክንዲ’ቶም ብፓርላማ’ታ ሃገር ካብ ስርሖም ዝተሰጎጉ ምክትል ፕረዚደንት’ታ ሃገር ሓድሽ ምክትል ፕረዚደንት ከምዝመዘዙ ተፈሊጡ።

ሓድሽ ዝተመዘዙ ወዲ 52 ዓመት ኪቱሪ ኪንዲኪ እዮም።

እንተዀነ ኣብ ዝደሓረ ምዕባለ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንምርቋሕ ሓድሽ ምኽትል ፕረዚደንት ተቓዊሙዎ ኣሎ።

ፓርላማ ኬንያ እቶም 11 ዝተፈላለዩ ክሲታት ዝቀረቦም ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዘይተሳተፍሉ መድረኽ ገምጊሙ ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ካብ ስልጣኖም ዝተኣለዩ ምክትል ፕረዚደንት ነበር፣ ኣብ ጥቃ ናይሮቢ ዘሎ ሆስፒታል ሕክምና ልቢ ይግበረሎም ከምዘሎን፣ ምናልባሽ ንመዓልታት ኣብ’ቲ ሆስፒታል ከምዝጸንሑን’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG