ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያን ኡጋንዳን ክልቲኣዊ ስምምዓት ይፍርማ


ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቪኒ ትማሊ ሓሙስ 16 ግንቦት 2024 ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ዝተፈላለዩ ሽርክነታዊ ስምምዓት ተፈራሪሙ።

ሙሰቪኒን ሩቶን ንመሓውራት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ታሪኽ ምሕዝነተንን ንግዳዊ ሽርክነትን ዝተራእየ ሓባራዊ ረብሓ ኣለወን ኢሎም።

እቲ ናይ ሕጂ ስምምዕ ዝመጽእ ዘሎ ኬንያ ንኩባንያ ነዳዲ ወደብ ኣልቦ ኡጋንዳ ብመስመር ወደብ ሞምባሳ ከሕልፍ ድሕሪ ምፍቃዳን ኣብ መንጎአን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ድሕሪ ምፍትሑን`ዩ።

ኡጋንዳ፡ ኣስታት 90% ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረታ ብናይ ኬንያ ወደብ `ያ ተእቱ። ኣብ መንጎአን ዘይምስምማዕ ኣብ ዝተፈጥረሉ እዋን ግን፡ ብታንዛንያ ክተእቱ መዲባ ኔራ`ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG