ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንፃር ሓይልታት ኬንያ ዝፅውዕ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ወፂኡ


እቲ ዝገርም ግና ነቲ መልእኽቲ ዘንበበ ኣሕመድ ኢማም ዓሊ መልእኽቱ ዘመሓላለፈ ብሱማሊኛ ከይኮነስ ብቛንቛ ስዋህሊ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ሙስሊም መናእሰይ ኣንፃር ሓይልታት ኬንያ ንምውጋእ ኣብ ጎኒ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንኽስለፉ ኣብ ናይ ጂሃዳዊያን መርበብ ሓበሬታ ዝወፀ ሓደ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ፀዊዑ።

ነቲ ናይ 50 ደቓይቕ ቪዲዮ ዘንበበ ሓደ ወታደራዊ ጃኬት ዝተኸደነ ሰብኣይ ንቁርኣን ብምጥቃስ ኬንያዊያን ኣብ ጎኒ ናይ ኣል-ሸባብ ወፍሪ ጂሃድ ንኽስለፉ ይፅውዕ።

ንሱ ኣብ ፃውዒቱ ነቲ መልእኽቲ ዝርኢ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሙስሊማዊት ሃገር ዝኾነት ሱማሊያ ዅናት ስለዝኣወጀትን ኬንያ ናይ እስራኤል ሓገዝ ስለዝረኸበትን ኣብ ውሽጢ ኬንያ ናይ ጂሃድ ዅናት ክካየድ ኣለዎ ክብል ፀዊዑ።

እቲ ዝገርም ግና ነቲ መልእኽቲ ዘንበበ ኣሕመድ ኢማም ዓሊ መልእኽቱ ዘመሓላለፈ ብሱማሊኛ ከይኮነስ ብቛንቛ ስዋህሊ ምዃኑ እዩ።

ንጉዳይ ሱማሊያን ኤርትራን ዝከታትል ናይ ሕቡራት መንግስታት ቃፊር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብዘውፅኦ ሪፖርት ኣሕመድ ኢማም ዓሊ ድኻታት መናእሰይ ኣብ ጎኒ ኣል-ሸባብ ንኽስለፉ ዝምልምልን ዘሰልጥንን ኣብ ናይሮቢ ናይ ዝመደብሩ ማእኸል ሙስሊም መናእሰይ ናይ ዝተብሃለ ትካል መራሒ እዩ።

እቲ ሪፖርት ኣብዝተዳለወሉ እዋን መብዛሒቲኦም ኬንያዊያን ዝኾኑ ካብ 200 ክሳብ 500 ዝኾኑ ተዋጋእቲ ዝሓቖፈ ሓይሊ ምዃኑ እቲ ሪፖርት ይሕብር።

Southlink Consultants ብዝብል ሽም ናይ ዝፍለጥ ኣብ ኬንያ ዝመደብሩ ትካል ተንታኒ ጉዳይ ሱማሊያ ዝኾኑ ዓብዲ ሳማድ ናይ ዓሊ በዚ መልክዕ ምምፃእ እቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ኣኽራሪ ጉጅለ ሓድሽ ስትራተጂ ምሓዙ ዘርኢ እዩ ይብሉ።

እዚ ኣል-ሸባብ ኣብ ውሽጢ ምብራቕ ኣፍሪካ ከመይ ገይሩ ሰንጢቑ ከምዝኣቲ ዘርኢ ንፁር ምልክት ምስበሉ ከምዚ ኢሎም።’’ብርግፅ ኣብ ታንዛንያ፡ኬንያ ከምኡ’ውን ኣብ ኡጋንዳ፡ኣብ ብሩንዲን ሩዋንዳን እውን ምልመላ እናካየዱ እዮም።’’

ሰበስልጣን ኬንያ ኣብታ ሃገር ብደገፍቲ ኣል-ሸባብ ዝተደቀኖም ሓደጋ ኣዐሪዮም ዝተረድኡ ይመስሉ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ኣብ ወጥሪ እንተኣተወ’ውን እቲ ብስዋህሊ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ዘርእዮ ግን እቲ ጉጅለ ካብ ሃገሩ ወፃኢ ዘለዎ ፅልዋ ዓብይ ምዃኑ እዩ ይብሉ ተንታኒ ጉዳይ ሱማሊያ ዓብዲ ሳማድ።

ላዕለዎት ወታደራዊ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ኣል-ሸባብ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክብ ምስዘለዎም ኣኽረርቲ ጉጅለታት ርክብ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ስግኣቶም እናገለፁ ይርከቡ።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG