ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ብዕብየት ቁጠባ ካብ ዓለም ሳልሰይቲ


Kenya.
Kenya.

ኬንያ ኣብ ዓለም ቕልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት የርእያ ካብዘለዋ 20 ሃገራት ሳልሳይ ደረጃ ከምዝሓዘት ናይ ብሉምበርግ ናይ 2015 ኣ/ፈ መፅናዕቲ ገሊፁ።ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ኬንያን ናይጀሪያን ጥራሕ እየን ኣብቲ ዝርዝር ዝኣተዋ።ቻይና ቀዳመይቲ ፊሊፕንስ ካልአይቲ ተሰሪዐን ኣለዋ።ኣብ ኬንያ ሽቕሊ ኣልቦነት ዝለዓለ ምዃኑ እውን ተገሊፁ’ሎ።

ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ዝርከብ ፋብሪካ ዓለባ United Aryan ቅድሚ 13 ዓመታት ዝተጣየሸ ኩባኒያ ኮይኑ ንልዕሊ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቆፂሩ እናስርሐ ይርከብ።ማእኸላይ እቶት ሰራሕተኛታት ኣብ ወርሒ 150 ዶላር እዩ።

ቀንዲ ናይ ንግዲ ምንቅስቓሱ ሰደድ እዩ።በብወርሑ 100 ሚሊዮን ዶላር ዘውፅእ ኣቑሑት ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ይልእኽ።

UNITED ARYAN ዩናይትድ ስቴትስ ንትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ብዝሃበቶ ዕድል ነፃ ግብሪ ተረባሒ እዩ።እቲ ፕሮግራም African Growth and Opportunity Act (AGOA) ብዝብል ሽም ይፅዋዕ።

እዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ከብቅዕ እዩ።

መስራትን ኣቦ መንበርን United Aryan Limited ፓንካጅ በዲ AGOA ነቲ ፕሮግራም እንተድኣ ዘየሐዲሱዎ ኣብ ልዕሊ ኩባኒይኦም ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ይብሉ።

ዝክኣሎም ኩሉ እናገበሩ ከምዝርከቡን መንግስቲ ኬንያ እውን ይሕግዞም ከምዘሎን ይገልፁ። ‘’በቐሊል ኣበሃህላ እቲ ዕድል እንተድኣ ተዓፂዩ ናትና ሃለዋት እውን የብቅዕ’’ ዝብሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ዝፈጠርናዮም ዕድላት ስራሕቲ ክንቐብፆም ኢና’’ኢሎም።።

ብመሰረት ብሉምበርግ መፅናዕቲ ዘካየደለን 57 ሃገራት ኬንያ ኣብዚ ዓመት እዚ ብሽዱሽተ ሚእታዉ ክትዓቢ ተተንቢዩ’ሎ።ቻይና፣ኢንዲያ፣ ፊሊፕንስን ኢንዶነዢያን ሓሙሽተ ምእታዊ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዝግባ ትፅቢት ይግበር።

እንተኾነ ኣብ ኬንያ ሸቕሊ ኣልቦነት ዝለዓለ እዩ።40 ሚእታዊ ኬንያዊያን ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ይነብሩ።እቲ ናይ ንግዲ ስምምዕነት እንተብቂዑ ኩነታት ድኽነት ብዝዓበየ ክሓምቕ እዩ።

XS
SM
MD
LG