ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ 36 ሰባት ብኣል-ሸባብ ተቐቲሎም

Kenya's President Uhuru Kenyatta addresses the nation on the Westgate shopping mall attack in the capital Nairobi, Sept. 22, 2013.
Kenya's President Uhuru Kenyatta addresses the nation on the Westgate shopping mall attack in the capital Nairobi, Sept. 22, 2013.

36 ሰባት ዝቐተለ መጥቓዕቲ ሽበራ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ሎማዕንቲ ሰሉስ ድሕሪ ምፍፃሙ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፀጥታ ኬንያ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም።እዚ ናይ ሎማዕንቲ መጥቓዕቲ ኣብ ውሽጢ 10 ማዕልታት ንኻልኣይ ግዜ እዩ።ኬንያ ኣንፃር ሽብር እተካይዶ ኵናት ኣየሕይላ ክትቕፅለሉ እያ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ።

ምስ ሶማሊያ ኣብዘዋስን ማንዳራ ዝብተብሃለ ከባቢ ኣብ ስራሕቲ ኳዕቲ ዝተዋፈቱ ሰራሕተኛታት ኣብ ዱንኳኖም ሃሪሶም እናሃለው ብዝተፈፀመ መቕዕቲ እዮም ተቐቲሎም ዘለው።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ናዕበኛታት ኣብ ኣውቶቡስ ይጉዓዙ ንዝነበሩ ኣውሪዶም ን28 ሰባት ረሺኖም።ኣብ ክልቲኡ ኣመንቲ ምስልምና ዘይኮኑ ሰባት እናተፈለዩ ከምዝተረሸኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኣነ እየ ክብል ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።ኬንያ ንእስላማዊት ሃገር ብምውራሩ ምዃኑ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG