ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ" ብሰንኪ ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ምህሮ ንዝፈናቐሉ ተምሃሮ ይሕግዝ


ኣብ ከተማ መቐለ ብውፉያት 32 መናእሰይ ዝተጣየሸ "ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ" ብሰንኪ ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ምህሮ ንዝፈናቐሉ ተምሃሮ ኣብ ምሕጋዝ ይርከብ።

ሓደ ካብቶም መስረትቲ እቲ ማሕበር መንግስተኣብ ልኡል ፍልፍል እቶት እቲ ማሕበር ካብ ውርሓዊ ክፍሊት ኣባልነትን ኣብ ከተማ መቐለ ጫማ ብምውልዋልን መካይን ብምሕፃብን ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊን ካልኦትን ምዃኑ ይገልፅ።

ሓበን ረድኤን ብወገና ሓደ ተምሃራይ ድልየት ትምህርቲ እናሃለዎ ብሰንኪ ስእነት ትምህርታዊ ናውቲ ካብ ምህሮ ክተርፍ የብሉን ዝብል መበገሲ ዝገበረ ዕላማ ብምሓዝ ይሰርሑ ምህላዎም ትገልፅ።

ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ
ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ

ካብ ዝጣየሽ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ ኣባላቱ ኣብ ከተማ መቐለ ገዛ ንገዛ ብምኻድ ደፍተርን እርሳስን ብምውህላል ኣብ ኣይናለም ንዝርከቡ ዝተፀገሙ ተምሃሮ ከምዝሓገዙ ኣካያዲት ስራሕ እቲ ማሕበር ሜላት ሃይለ ን ቪኦኤ ገሊፃ። ከምኡ እውን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዝውዋር ክዳውንቲ ካብ ተምሃሮ ብምእካብ ከምኡ እውን ንፅሬት ዘገልግሉ ናውቲ ብምዕዳግ ነቶም በቲ ማሕበር ዝሕገዙ ተምሃሮ ከምዘረከቡ ሜላት ትገልፅ።

ኣባል ኬብሮን መንእሰይ ተኸስተ ካሕሳይ ድማ ንቶም ህፃውንቲ ምሕጋዝ ጥራሕ እንተይኰነስ ኣብ እዋን በዓላት ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ዝተፀገሙ ሰባት እኽለማይ ብምእንጋድ እውን ከምዘሕልፍዎ ይዛረብ።

ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝኽበር በኣለ ኣሸንዳ (One Packed for One Child) ሓደ ጥማር ዝተማለአ ናውቲ ትምህርቲ ንሓደ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ዝብል ወፍሪ በቲ ማሕበር ንዝሕገዙ 40 ህፃውንቲ ጥራሕ እንተይኰነስ ኣብ መቐለ ንዝርከቡ ዝተፀገሙ ተምሃሮ ንምርዳእ ዘኽእል ናውቲ ትምህርቲ ንምእካብ ተሊሙ ምህላዉ ሓበን ገሊፃ ነዚ ድማ ኩሉ ህዝቢ ክሕግዝ ከምዝግባእ ፀዊዓ ኣላ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ኣብ ጐኒ እቲ ማሕበር ጠጠው ክብሉን ኩለመዳይ ሓገዝ ከበርክቱን ኣባላት ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ ፀዊዖም።

ኬብሮን ብቋንቋ ኢብራይስጥ ሰላም፣ሕብረትን ቅዱስ እምባ ማለት ምዃኑን ኣባላት እታ ማሕበር ድማ ብሕብረት ንዝተፀገሙ ወገናትና ንምሕጋዝ ዝጠቕመና ስያመ እዩ ኢሉ'ሎ መንግስተኣብ ልኡል።

ኬብሮን ማሕበር ተራድኦ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:52 0:00

XS
SM
MD
LG