ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተግባር ኩባንያ ንግዳዊ ሕርሻ ካሩቱሪ ኣብ ኢትዮዽያ


KARUTURI IN ETHIOPIA
KARUTURI IN ETHIOPIA
ህንዳዊ ኩባንያ ሕርሻ ካራቱሪ፣ሓደ ካብ‘ቶም ኣብ ኢትዮዽያ መርየት መንግስቲ ዝተቀበሉ ኩባንያታት‘ዩ።መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣዝዩ ምቁር ብዝተባሃለሉ ውዕል፣ንካራቱሪ ኣብ ደቡባዊ ጋምቤላ ካብ ዝርከብ ኣዝዩ ስቡሕ መርየት፣ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሄክታር ተሓራሳይ መርየት ፈቂዱሉ‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ ካራቱሪ ኣብ ጥቃ ባኮ ኦሮምያ፣ሰፊሕ መርየት ተኻርዩ‘ሎ።

ተጣበቅቲ ከቢቢን ሰብኣዊ መሰላትን፣ነቲ ውዕል ተቃዊሞምዎ‘ዮም።ካብ‘ቶም ዝቃልሑ ድምፂ ተቃውሞታት፣ኣብ‘ታ ፅንኩር ሕፅረት እኽሊ ዝራኣየላ ሃገር፣ህዝቢ እናጠመየ ከሎ፣ወፃእተኛ ኩባንያታት ናብ ወፃኢ እኽሊ እናፍረዩ የግዕዙ‘ለው።ካልእ ዝላዓል ክሲ፣ወፃእተኛ ኩባንያታት ገዚፍ መኽሰብ ክሓፍሱ ተባሂሉ፣ኣስታት ክልተ ሚእቲ ሽሕ ነበርቲ‘ቲ ከባቢ ስለዝተፈናቀሉ ርእሶም ምኽኣል ኣብዩዎም‘ሎ።ሳልሳይ፣እቶም ገዘፍቲ ኩባንያታት ዝጥቀሙሉ ኬሚካላት ንወሓዝቲ ሩባታት ይብክል‘ሎ፣ከምኡውን ዱራት ይቁረፅ ስለዘሎ እቲ ከባቢ ንምሽርሻር ሓመድ ተቃሊዑ ዝብሉ ይርከብዎም።


መስራታይ ሓላፊ ስራሕ ካራቱሪ ራም ክሪሽና ካራቱሪ ግና፣ኣብ ኢትዮዽያ ንዘሎ ኣሰራርሓ ሕርሻ፣ናይ መርየት ዘረፋ ኢልካ ምግላፅ ሚዛን ዝጎድሎን መሰረት ዘይብሉን‘ዩ ይብል።

“እዚ ኣንፃር ኩባንያታት ንግዳዊ ሕርሻ ዝቀንዐ ዘይሚዛናዊ ጠቀነ‘ዩ።ቀዳማይ ኣብ ኢትዮዽያ መርየት ናይ መንግስቲ‘ዩ።መሰል ኪራይ‘ዩ ተፈቂዱልና።ልዕሊ ኩሉ ድማ፣ዘረፋ መርየት ክትብል ከለኻ፣መርየት ካብ‘ቶም ንመዋእላት ኣብ‘ቲ ከባቢ ዝነበሩ ህዝቢታት ክትምንጥል ከለኻ‘ዩ ዝሕብር።ንሕና ብወገና፣ ኣብ ጋምቤላ ብጠንቂ ዝጀመርናዮ ሕርሻዊ ንጥፈታት፣ዋላ ሓደ ሰብ‘ውን ኣይፈናቀልን ኢልና ኢና።ኣብ ጥቃ ብርክት ዝበሉ ሕራሻታትና፣ሎሚ‘ውን ቁሸታት ኣለዋ።ምስ ነበርተን ድማ ፅቡቅ ርክብ ኣለና።ካብኡ ሓሊፍና ፍርያቶም ዘደንፍዕሉ ዘበናዊ ሜላታት ሕርሻ‘ውን ነምህሮም ኣለና” በለ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:41 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG