ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካመላ ሃሪስ ንሕፀ ምኽትል ፕረዚደንት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ብወግዒ ተቐቢላ


ኣብ ሳልሳይመዓልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ናይ ብረት\ዕጥቂ ዓመፅ፣ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ኮቪድ-19ን ጎሊሆም ዝወፁ ዛዕባታት ነይሮም።ካብ ካሊፎርኒያ ዝተወከላ ሰኔተር ካማላ ሃሪስ መፃምዲ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደን ብምዃን ናይ ምኽትል ፕሬዝዳንትነት ሕፀ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ብወግዒ ተቐቢለን።ኣብቲ ብኢንተርነት ኣቢሉ ብማዕዶ ዝካየድ ዘሎ ቨርቹዋል ኣኼባ ተመልካቲ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ተኸታታሊ ነቐፍታታት ክፍኖ ክሰምዕ ኣምስዩ ኣሎ።

ብሰንኪ ለበዳ ብርሕቐት ይካየድ ዘሎ ዘይተለመደ ጉባኤ ክትብል ገሊፃቶ ኣላ ነቲ ጉባኤ ዘተኣናገደት ናይ ሆሊዉድ ተዋሳኢት ኬሪ ዋሽንግተን።

ቅድሚ ሎሚ ተራኢዩ ዘይፈልጥ፤ፈላመይቲ ፀላም ጓል ኣንስተይትን ደቡብ ኢሲያዊት ኣሜሪካዊትን ተወዳዳሪት ቀንዲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኮይነን ኣለዋ ካሜላ ሃሪስ።

‘’ሕፅይቲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስክኸውን ንዘቕረብኩምለይ ሕቶ ተቐቢለዮ ኣለኹ’’ኢለን።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ስነስርዓት ንፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደን ዝድግፉ ሓፀርቲ ቪድዮታት ቀሪቦም።ካብቶም ኣቕረብርቲ ኣባል ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ዝነበራን ብዝተተኮሰን ጥይት ካብ ሞት ንሕንጢጥ ዘምለጣን ጋቢ ጊፎርድስ ‘’ኣሜሪካ ኩላትናክንዛረብ ትደልየና እያ፥ቃላት ንምውፃእ እንተፀገመና እውን ከይተረፈ’’ ኢለን።

ዶናልድ ትራምፕ ብዘይምሕረት ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ብምፍፃሞምን ሓተቲ ዕቑባን ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎምን ስደተኛታት ዝሓዝሉ ኣገባብን ተነቒፎም ኣለው።

ፕሬዝዳንታዊ ሕፅይቲ ዝነበራ ኤልዛቤት ዋረን ‘’ሎሚ ኣሜሪካ ብበዝሒ ብኮቪድ ዝሞቱዋ ሰባት ካብ ዓለም ቅድሚት ተስሪዓ ትርከብ፤ኮላይ ቁጠባዊ ውድቀት።ሓያል ውቅዒት ክልቲኦም ቅልውላዋትዝዓረፈ ኣብ ልዕሊ ስድራታት ፀለምትን ቀያሕትን እዩ’’ ክብላ ንኣተሓሕዛ ለበዳ ክሮናቫይረስነቒፈንኦም።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ባራክ ኦባማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ትራምፕ ንኣፈላላያት ናይታ ሃገር ወይ ንኣገዳስነት ሓላፍነቶም ኣየኽብሩን ኢሎም ዎም።

‘’ስለ ሃገርና ክብል ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ስልጣን ብቁም ነገር ንምሓዝ ገለ ድልየት ከርኢ፣ምናልባሽናይቲ ቤት ፅሕፈት ክብደት\ፀውራ ተሰሚዑዎ ኣብ ኢዱ ንዝወደቐ ገለ ክብርታት ዴሞክራሲ ክርዳእእዩ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ።ከምኡ ግን ኣይገበረን’’ ኢሎም ኦባማ።

ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ንዴሞክራቲክ ፓርቲ ብምውካል ተወዳዲረን ዝነበራ ሂላሪ ክልንቴን ንኣገዳስነትምድማፅ ኣስሚረናሉ።

‘’እንታይ ከይተርፈኩም ኢሉ ትራምፕ ኣብ 2016 ክሓትት ከሎ ንድሕሪት ምልስ ኢልኩም ዘክሩ። እንታይ ከምዝኸሰርና ሎሚ ንሪኦ ኣለና።ናይ ጥዕና ሓለዋና፣ስራሕትና፣ንፈትዎም ኣባላት ስድራና’’ ኢለን።

ማሕበራዊ ሚዲያ ሕፁይ ንምቕራብ ዝካየደሉ ጉባኤ ክኸውን ዝተፈተነሉ ኣጋጣሚ እዩ።ቨኔሳ ቢስለይ ዝተብሃለት ተንታኒት ማሕበራዊ ሚድያ ግን እቲ መድረኽ ዝሰርሕ ዘሎ ይመስል ትብል።

XS
SM
MD
LG