ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሐ-ጽልሚ፡ ካብ ኣስመራ፡ ማይ-ጨውን ባረንቱን፡ ዝረኸበቶ ትሕዝቶታት ብቕደም ሰዓብ ፈንያ`ላ


ፕሮፈሰር የማነ ግርማጽዮን ካብ ኣስመራ፡ወ/ሮ ሓረጎት ኣሕመድ ካብ ማይ-ጨው፡ ኮኸብ ሽንግርዋ ካብ ባረንቱ

ፕሮፈሰር የማነ ግርማጽዮን፡ ኣብ ምምዕባል ቋንቋ ትግርኛ 4ተ መጽሕፍቲ ዝበርከቱ`ዮም። ብዛዕባ `ታ “ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ስራሕ” ትብል ዳሕረወይቲ መጽሓፎም ሰናይት ኣዘራሪባቶም ኣላ።

ካልኣይ ትሕዝቶ ቂሐ-ጽልሚ ብዛዕባ ኣጠቓቕማን ረብሓን ዒላም ወይ ካዓ ሳስላን ቁናምኒን`ዩ።

ወይዘሮ ሓረጎት ኣሕመድ ኣብ ከተማ መቐለ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ሳስላን ቁናምኒን ብምሻጥ ይናበራ፡፡ ወይዘሮ ሓረጎት እቲ ዝበለጸ ሳስላ ኣብ ከባቢ ማይጨው ግራ ፀርሒ ኣብ ዝተባሃ ቦታ ዝበቁል ሳስላ እዩ ይብላ፡፡ ግርማይ ገብሩ`ዩ ኣዘራሪብወን።

ሳስላን ሒናን ዝፈልዮ ነገር እንተሃለወ ሳስላ ጥዑም ጨና ኣለዎ ይብላ ወይዘሮ ሓረጎት፡፡ ከምኡ’ውን ቁናምኒ ማለት እውን ቁፍቋፍ፣ ብዕሪር፣ቆጽሊ ኣደስ፣ኣትራን፣ ሳዕሪ ሳዕሮ ወዘተ ንጡሽ ዝውዕሉ ባእታታት እውን ንመሸጣ ዘርጊሐን ይውዕላ፡፡ ቁናምኒ ብተወሳኺ ገዛ ጥዑም ጨናን ሃገግታን ክህልዎ ይገብር፡፡

ኣብ ራያ ብፍላይ ኣብ ሃገረሰብ ጓል ክትምርዖ እንተላ ሳስላ ትኣቱ እያ እውን ይብላ፡፡ ዋጋ ሓደ ኪሎ ሳስላ 14 ክሳብ 15 ቕርሺ ይሽየጥ፡፡

“ጡሽ ኣቲኻ ምስ ባዓል ሓዳርካ ምህራስ” ፍቕሪ ይውስኽ እዩ ይብላ ወይዘሮ ሓረጎት፡፡

ሳልሳይ ትሕዝቶ ቂሐ-ጽልሚ፡ ምስ ኮኸብ ሽንግሩዋ መርየም ሻውሽ ዝተኻየደ ወግዒ`ዩ፡ ናብ`ቲ ንዕኣ ንምቕባል ኣብ ባረንቱ ዝካየድ ዝነበረ ፈስታ ደዊልና ኣዘራሪብናያ ኣለና።

ንኹሉ ኣብ`ዚ ምልክት ድምጺ ጠውቕኩም ስምዑ፡

XS
SM
MD
LG