ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ቂሐ-ጽልሚ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሳን-ጆርጆን፡ ዕላል ምስ ሙዚቀኛ ሚዛን ተስፋይን ተውግዕ


መምህር ተስፋይ ሃይለ፡ ካብታ ቤት ትምህርቲ 21 ኪ.ሜ ርሒቓ ካብ ትርከብ ዓዲ እናተመላለሱ ዝተማህሩ`ዮም። ሕጂ ኣብታ ዝተማህሩላ መምህር ኮይኖም የገልግሉ።” ሕጽር ብዝበለ ናይ ሊቃውንቲ ሰፈር ናይ ሓርበኛታት ሰፈር`ዩ” ይብልዋ

ኣብ መንደፈራ ኤርትራ ትርከብ ታሪኻዊት ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ ታሪኻዊ ሽማ ሒዛ ክትቅጽል ትጽዕር ኣላ። ተማህሮኣን መማህራናን ዘልዕልዎ ዕዙዝ ትዝታ`ሎ። እታ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ዝተመስረተት ቤት ትምህርቲ ዘፍረየቶም ተማሃሮ፡ ክሳብ ሕጂ ጥርኑፋት`ዮም። ተማሃሮ ሳን ጆርጆ ክብሃል ኸሎ ዝንኦም ክሳብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ይበጽሕ ኸምዝነበረ ተመሃሮኣ ይዝክሩ።

መምህር ተስፋይ ሃይለ፡ ካብታ ቤት ትምህርቲ 21 ኪ.ሜ ርሒቓ ካብ ትርከብ ዓዲ እናተመላለሱ ዝተማህሩ`ዮም። ሕጂ ኣብታ ዝተማህሩላ መምህር ኮይኖም የገልግሉ።” ሕጽር ብዝበለ ናይ ሊቃውንቲ ሰፈር ናይ ሓርበኛታት ሰፈር`ዩ” ይብልዋ።

ኣብ`ዚ እዋን ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ደቡብ ኮይኖም ዘገልግሉ መምህር ወልዳይ፡ “ኣብ ትሕቲ ፓሎ መብራህቲ ኾይና ነጽንዕ ኔርና፡ ነናትና ፓሎ ኔሩና፡ እንተብኩርና፡ ናይ እከለ ፓሎ`ያ ተባሂላ በይና ትሓድር ኔራ” ይብሉ።

ካልእ ትሕዝቶ መደብ ቂሐ-ጽልሚ፡ ንከያኒ ሚዛን ተስፋይ ዘተኣናገደ`ዩ። ሚዛን ተስፋይ ሓደ ካፍቶም ኣብ ኢትዮዽያ ፅቡቕ ናእዳ ዝረኽቡ ዘለዉ ከየንቲ እዩ። ብፍላይ “ቃንጫ ምሸላ እዩ’’ ትብል ኣብ ቀረባ እዋን ዘውፀኣ ባህላዊት ደርፊ ቀልቢ ብዙሓት ስሒባ ኣላ።

ጸብጻብ ሰናይት ሃብቱን ፡ግርማይ ገብሩ ምስ ሚዛን ዘካየዶ ወግዒን ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG