ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ቂሐ-ጽልሚ፡ ትሕዝቶታታን


ፈላማይ ምርኢት ስርዓት ቡን ካብ ከተማ መቐለ፡ ካብ ኣስመራ ዕላል ምስ ተዋሳኢት ሲዶና ረድኢ

ኣብ ትግራይ ዝፈሪ ቡን ራያ ንምልላይን ባህላዊ ስርዓት ቡን ትግራይ ንምዕቃብን ዝዓለመ ምርኢት መዓልቲ ቡን ትግራይ ሰንበት ላካቲት 6 ተኻይዱ። እቲ ኣብ ኣዳራሽ ህንፃ ቀዳማይ ወያነ ዝተኻየደ ባዓል ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝተዓደምሉ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ባዓል ካብ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ ወረዳ ወረባየ ዝመፁ ሓረስቶት ዘፍረይዎ ቡን ትግራይ ንምርኢት ኣቕሪቦም እዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ቡን ኣፍሊሐን ካብ ዝሸጣ ደቀንስትዮ ዝተሓረያ ኣልኮላዊ መስተ ሓዲገን ቡን ጥራሕ እሞ ድማ ብባህላዊ ስርዓት ዝሸጣ ዋሓላሉ ባህላዊ ኣቀራርባ ቡን ትግራይ ኣርእየን።

ኣብቲ ባዓል ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተኣውላዕሎ ብባህላውነቱ ፅቡቕ ሽም ዘትረፈ እንቁ እንዳ ቡን፣ ከምኡ እውን ካብ ከተማ መቐለ መርሃዊት፣ራህዋ፣ሎሚናትን ዮሳንን ዝተባሃላ እንዳ ቡን ሕሩያት ኮይነን ተሸሊመን።

ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበላ ባዓላልቲ እንዳ ቡን ኢለን ከፊተን ቡን ከምዝሸጣ ይፍለጥ ኮይኑ ግና ዝበዝሓ ቀትሪ ቡን ሽይጥ ውዒለን ምሸታምሸት ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መስተ ከምዝሸጣ ንኹሉ ግልፂ እዩ።

እቲ ባዓል ተኸስተ ትካል ስራሕቲ ምልላይ ምስ ናቲ ትካል ሌላን ምዝንጋዕን ብምትሕግጋዝ እዮም ኣሰናዲአሞ።

ካልእ ትሕዝቶ ቂሐ ጽልሚ ምስ ተዋሳኢት ሲዶና ረድኢ ዝተኻየደ ዕላል`ዩ ተኸታተሉ:

XS
SM
MD
LG