ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅሔ ጽልሚ ምስ ሕጹይ ኮራ ኣዋርድስ ቴድሮስ ኤርሚያስ


A man fixes a Russian campaign flag of President Vladimir Putin on the balcony of his apartment in Moscow.
A man fixes a Russian campaign flag of President Vladimir Putin on the balcony of his apartment in Moscow.

ኣዋራድ ዓመታዊ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርኸባ ሃገራት ዝፈረዩ ሙዚቃዊ ስርሓት ሽልማት ዝህብ ፕሮግራም’ዩ። እዚ ኣብ 1994 ብቤርነት ኣድጆቪ ዝጀመረ ፕሮግራም ምስ ኣሜሪካን ግራሚ ኣዋርድ ዝመሳሰል ኮይኑ ክሳብ ሕጂ 12 ጊዜ ተካይዱ’ሎ። አብ መጀመርታ ኣሰርተ ዓመታት’ቲ ሽልማት አብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተካየደ ኮይኑ ብድሕሪኡ ግን ናብ ቡርኪኖፋሶን ኮት’ዲ ቭዎር’ውን ግዒዙ። አብ 2015 ዓ.ም ድማ እቲ ናይ ሽልማት ፕሮግራም ብቀዋሚነት አብ ናሚብያ ክካየድ ተወሲኑ።

ናይ ሎሚ ዓመት ኮራ ኣዋራድ መጋቢት 20,2016 ዝካየድ ኮይኑ ንመጀመርታ ጌዜ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስነ-ጥበበኛታት ናይቲ ሽልማት ህጹያት ንምኳን በቂዖም’ ኣለዉ።ዮም።

ብዝበለጸ ባህላዊ ደረፍቲ ደቂ-አንስትዮ ሻም ጘሹ ካብ ኤርትራ ‘ጎተና ህድሞ’ ብዝብል ዜማ ህጽይቲ ክትከውን ከላ፡ ኣቢ ላቀው ካብ ኢትዮጵያ ድማ ‘የኔ ሓበሻ’ ብዝብል ዜማ አብዚ መድረክ ህጹያት ክኾና በቒዓን ኣለዋ።

ኢትዮጵያዊ ቴድሮስ ካሳሁን (ቴዲ አፍሮ) ድማ ብያታዊ ደርፍታት ህጹይ ኮይኑ’ሎ። ብዝበለጸ ተባዕታይ ደራፋይ ምስራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራዊ ቴድሮስ ኤርምያስ ‘ዳግማይ ነገሰት’ ብዝብል ዜማ ህጹይ ኮይኑ’ሎ።ብመንፈሳዊ መዛሙር ድማ ሳራ ሓጎስ ካብ ኤርትራ ‘ቢታኩምብያ’ ብዝብል መዝሙር ህጽይቲ ኮይና’ላ።

እዚ ሽልማት አብ 26 ክፍላት ህጹያት ኮይኖም ንዝቐረቡ ስነጥበበኛታት መምዩ ሽልማት ክህብ’ዩ።

ብተወሳኺ ኮራ ኣዋርድስ ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንዝተዓወቱ ኣርቲስት ካብ 20,000 ክሳብ 1 ሚሊዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሽልማትን ናይ ኮራ ኣዋርድ ጽዋዕን ክሽልም’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ቅሔ ጽልሚ ምስ ሕጹይ ኮራ ኣዋርድን
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:58 0:00

XS
SM
MD
LG