ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሐ ጽልሚ ፡ሎሚ`ውን ብብራና ዝጽሕፉ ዝለዉ መንፈሳዊ ምሁር ካብ መቐለ፡ብጀዲድ ወቂቡ ብዛዕባ ዝስራሕ ዘመናዊ ቕዲ ኽዳውንቲ ድማ ካብ ኣስመራ የጠቓልል


ኣብ ብራና ዝሰፍር ፅሑፍ ከምቲ ኣብ ወረቐት ዝፃሓፍ ብቐሊሉ ዘይቕደድን ክሳብ ንውሉድ ወለዶ ዝፀንሕ ምዃኑ ይገልፁ መልኣከ መዊእ ብርሃኑ

መልኣከ መዊእ ብርሃኑ ኪሮስ ኣብ ከተማ መቐለ ኣማሓዳሪ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስታያን እዮም። መልኣከ መዊእ ብርሃኑ ብኣቆፃፅራ ኢትዮዽያዊያን ብ1978 ዓ/ም እዮም ኣብ ብራና ምፅሓፍ ጀሚሮም። ትምህርቲ ቤተ ክህነት ኣብ ዝመሃሩሉ ዝነበሩ እዋን ንማሓዙቶም እናራኣዩ ኣብ ብራና ምፅሓፍ ክመልኩ ከምዝኻኣሉ ይዛረቡ።

“ብራና ካብ ቆርበት ጤል እዩ ዝሰናዳእ። ናብ ብራና ንምልዋጥ ዝላዓለ ፃዕሪ ይሓትት። ብፍላይ እቲ ቆርበት ንቑፅ እንተኾይኑ ንሓሙሽተ ማዓልታት ኣብ ፁሩይ ማይ ይእጀል። ዝበሰለ ምዃኑ ምስ ኣረጋገፅካ ዘርጊሕኻ ስግኡ ይግፈፍ። ብተደጋጋሚ ፃሓይ ምስወቐዖ እቲ ጨጉሪ ይላፀ። ካውኡ ብራና ይኸውን።’’ ይብሉ መልኣከ መዊእ ብርሃኑ።

ኣብ ብራና ብቐይሕን ፀሊምን ሕብሪ ንምፅሓፍ ጫፉ ዝተፀረበ ሸምበቆ እዮም ዝጥቀሙ። ፀሊም ሕብሪ ካብ ቆርበት ዝተላፀየ ሰግላጥ ዝበሃል ተገፊፉ ዝወፅእ ነገር፣ ቆፅሊ ታህሶስ፣ ቆፅሊ ፃዕዳ ሓረግ፣ ናይ ላምባ ዠለሎ እዚኦም ኣንቂፅካ ወይ ድማ ቀሊኻ ነዚኦም ኣቃሚምካ ብሓደ ተፍልሖ። ዳሓር እቲ ማዩ ኣፅሊልካ ደጋጊምካ ትግዕቶ። እናደጋገምካ ትሓስዮ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል።

እቲ ቐይሕ ድማ ካብቲ ኣዴታት ንስፈ ዝጥቀማሉ መቕይሒ ርግሀን ላኻን ንዲ ቀለም ከምኡ እውን ብጫ ሕብሪ ሓዊስካ ፃዕዳ እንግዳዲዕ ወሲኽካ ከም ዝሰናዳእ መልኣከ መዊእ ብርሃኑ ኪሮስ ይዛረቡ።መልኣከ መዊእ ብርሃኑ ብጣዕሚ ብርክት ዝበሉ ፅሑፋት ኣብ ብራና ዝፃሓፉ እንትኾኑ እቶም ቀንዲ ኢሎም ዝጠቕሱዎም ግና ዕስራ መንፈሳዊ መፃሕፍቲ እዮም።

“ተኣምረ ማርያም፣ወንጀል፣ስንክሳር፣ግንዘትን ዝተፈላለዩ ቅዳሴታትን ዝኣመሰሉ ዕስራ ዓበይቲ መፃሓፍቲ ፅሒፈ እየ።” ኢሎም።

ኣብ ብራና ዝሰፍር ፅሑፍ ከምቲ ኣብ ወረቐት ዝፃሓፍ ብቐሊሉ ዘይቕደድን ክሳብ ንውሉድ ወለዶ ዝፀንሕ ምዃኑ ዝገልፁ መልኣከ መዊእ ብርሃኑ ኣብ ዝሐዚ እዋን ወላኳ ቁፅሩ እንተወሓደ ጠማቲ ዝሳኣኑ ፃሕፍቲ ብራና ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG