ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ቂሐ-ጽልምን ትሕዝቶታታን


መደብ ቂሐ-ጽልሚ፡ ካብ ኤርትራን ክሊ ትግራይን ዝመጸ ትሕዝቶታት ተተኣናግድ

ንናይ ኤርትራ ደቡባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ተቐኒቶም ዝነብሩ ኣባላት ብሔረ-ዓፋር፡ ሓደ ካብ ኣባሎም ብሓድሕድ ግጭት ብሞት ምስዝፍለ ንኽብሩ መንነቱ ኩነታት ኣቀታትልኡን መነባብርኡን ዝገልጽ ሓወልቲ ኣብ መቓብሩ ይተኽልሉ። እቲ መቓብር ዓይነቱን ቅርጹን ዝተፈላለየ ኾይኑ `ወይዳል` ብዝብል ሽም ይጽዋዕ። ወይዳል ምስ ናይ ሓዘን ዎየን መልቀስን ምትሓሓዝ ኣለዎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ፈቲቫል ኤርትራ ንብሔረ-ዓፋር ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ቀሪቦም ኔሮም። ኣስመራ ትርከብ ወኪል VOA ሰናይት ሃብቱ ኣብ ቁሸት ዓፋር ዘተኮረ ንመደብ ቂሐ-ጽልሚ ዝሰደደቶ ስእላዊ ጸብጻብ፡ ንምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።

ካልእ ትሕዝቶ ቂሐ-ጽልሚ ብዛዕባ`ቲ ዓርቢ ዝጀመረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ `ውን ተወልደ ወልደገብሬል ንኣቦ መንበር ኮሚተ በዓላት ዋሺንግቶን ዲሲ ኣቶ ግርማይ በርሀ ኣዘራሪብዎ`ሎ።

መደብ ቂሐ-ጽልሚ ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ትግራይን ካብ ኖርወይን ዝመጹ ግጥምታት ኣተኣናጊዳ`ላ።

ሰናይ ምክትታል።

XS
SM
MD
LG