ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ቂሐ-ጽልሚ ምስ ጂ ጂን ካልኦትን


ብዛዕባ ቅዱስ ዮሃንስን ሓዲሽ ዓመትን፡ ምስ ድምጻዊ ጂጂ ዝተገብረ ዕላልን ሒዛ`ላ፡ ኣተሃራርማ ከበሮ`ውን ኣሎ

ኣባ ሲላስ ብርሃነ ካብ መቐለ፡ ቀሺ ብርሃነ ዘርኣይ ካብ ኣስመራ ብዛዕባ መንፈሳውን ባህላውን ሓንሰ-መስቀለ ፍልጠቶም የካፍሉ።ታደሰ ፊስቶ ድማ ዓሚ ዘሕለፍናዮ ኣወቓቕዓ ከበሮኡ ንሎሚ ደጊምናዮ ኣለና።

ጂጂ ብዝብል ኣጸዋውዓ ዝፍለጥ ድምጻዊ ገብረ ገብረዝግኣብሄር “ንንበር” ትብል ሓዳስ ሲዲ ኣውጺኡ`ሎ። ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኦሪገን ዝቕመጥ ጂጂ፡ ናብ ኣመሪካ ካብ ዝመጽእ ሓጺር ግዜ`ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ብባህላዊ ጸወታታቱ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ።

ምስ ጂጂ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕን፡ ካልኦት መደባት ቂሐ-ጽልምን ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG