ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ብሓዳስ ዜማይ ጌረ ናፍቖተይን ሃለዋተይን ከፍልጥ ደልየ` ካሕሳይ በርሀ


Kahsay Berhe, Singer
Kahsay Berhe, Singer

ምስ`ቲ ብጉዳይ ጥዕናይ ሰብ ተሻቒልዎ ዝነበረ፡ ኣለኹ ኣብደሓን ኩነታት ኣለኹ ንምባል`ውን`ዩ ይብል ስነ-ጥበባዊ ካሕሳይ በርሀ ካብ ዓዲ እንግሊዝ።

ናፊቖም ኢለ ወይ ጸሚዩዎም ኢለ እደርፍ ኔረ`ምበር ጸሚዩኒ ኣይፈልጥን`ዩ ዝበለ ካሕሳይ በርሀ፡ ሎሚ ግን ናፊቐ ኢለ እደርፍ ኣለኹ ይብል። ብምቕጻል ምስ ጽምዋን ናፍቖትን ምስተራጸምኩ ቀልጢፉ ናብ ህዝቢ ክበጽሓለይ ደልየ ኢሉ።

ኣስዒቡ “ክህብትም ኣይደልን`የ ምኽንያቱ ኣብ ፍቕሪ ክነብር ስለዝደሊ፡ እንዳመቻኣካን እንዳጠዓመካን እንተኸይዱ ሓጎልካ እናሰብሐ ስለዝኸይድ ኣይትምህዝን ኢኻ ማለት`ዩ” ይብል።

እቲ ሲዲ ምውጻእ ሓደ መስርሕ`ዩ ምኽንያቱ ወላ ተጸሊኡካ ኸሎ ትፍትን ኢኻ፡ እታ ቀንዲ ነዛ ሲዲ`ዚኣ ከውጽእ ዘበገሰኒ ግና ሓበረታ ንምሃብ`ዩ፡ ምስቲ ብጉዳይ ጥዕናይ ሰብ ተሻቒልዎ ዝነበረ፡ ኣለኹ ኣብደሓን ኩነታት ኣለኹ ንምባል`ውን`ዩ በለ ካሕሳይ በርሀ። ኣተሓሒዙ “ድሕሪ ዕዉት ኦፐረሽን ምግባረይ ሕጂ ሳላ ጸሎት ደቀይን ጸሎት ኩሎም ፈተውተይን ጥዕናይ ጽቡቕ ኣለኹ” ክብለ ኣፍሊጡ። ምስ ተወልደ ወልደገብሬል ዝገበሮ ዕላል ንብምልኡ ንምስማዕ ኣብቲ ምልክት ድምጺ ጠውቑ.

XS
SM
MD
LG