ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ካጋመ ንራብዓይ ጊዜ ኣብ ምርጫ ከምዝወዳደሩ ኣፍሊጦም


ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ - ፋይል
ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ - ፋይል

ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ንራብዓይ ጊዜ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ከምዝወዳደሩ ገሊጾም። ንሶም ነዚ ውሳነ ድሕሪ ምፍላጦም ኣመሪካን ካልኦትን ንዝሃብዎ ነቀፌታ ምዕራባዊያን ዝሓስብዎ ናተይ ጸገም ኣይኮነን ኢሎም።

ካጋሜ ነዚ ውሳነ ዘፍለጡ ምስ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝዳሎ መሓውር ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ እዩ።

65-ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዚደንት ካጋሜ፣ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ኣብ መዝነት ዝጸንሑ ኮይኖም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ብልዕሊ 98 ሚእታዊት ድምጺ ምዕዋቶም ይዝከር ።

ንሶም ካብ’ቶም ንዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ብምምሕያሽ ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓደ እዮም።

በዚ መሰረት ፕረዚደንት ካጋሜ ክሳብ ዝመጹ 10 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG