ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብናይ ሓሶት ምስክርን ግበረለይ ክገብረልካን ፍትሒ ተነፊገ ይብላ ኢትዮዽያዊት መምህር


ሕጊ ኢትዮዽያ ንዘይገንዘቡ ክበልዕ ኣየተባብዕን ይብሉ ከሳሲ

ኣብ ሞንጎ ኣስራሒት መምህር ብርሃ ንጉሰን፣መሃንዲስ ኣቶ ኣባይ ገብረድንግልን ብጠንቂ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣መሃንዲስ፣ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ እዋን፣ኣብ ከተማ ኣኽሱም ህንፃ ሰሪሑ ንከረክብ ተሰማሚዑ ስለዘይካኣለ፣ ኣስራሒት ንካልእ ኮንትራክተር ቆፂረን፣ነቲ ዝተረፈ ስራሕ ዛዚመነኦ።

እንተኾነ ተኸሳሲት መምህር ብርሃ፣ንዝፈረመኦ ውዕል ኣፍሪሰን ተባሂሉ፣ዕዳ ንክከፍላ ብቤት ፍርዲ ተበይንወን‘ሎ።እተን ተኸሳሲት ግና፣ኣብ ኢትዮዽያ ይኹን ኣብ ትግራይ፣ፍትሒ የለን ኢለን ንክድምድማ ከምዝተገደዳ ይዛረባ።ኣቶ ኣባይ ብወገኖም፣ንዘይገንዘቡ ዝጥቀም ዘተባብዕ ሕጊ ኣብ ኢትዮዽያ የለን ይብሉ።

መሃንዲስ ኣቶ ኣባይ፣ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ፣ንመንበሪ ሃኒፆም ከረክቡ ድሕሪ ምስማማዖም፣ኣቋሪፆም ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተው፣መምህር ብርሃ፣ ኮንትራክተር ጠፊኡኒ እናበላ ከለዋ፣ኣቶ ኣባይ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ናብ ዓዶም ተመሊሶም፣ንዝተረፈ ገንዘብን ዝባኸነ ንብረት-ህንፀትን፣ክፈልኒ ኢሎም ከሲሶም‘ዮም።

ብመሰረት ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ብይን፣መምህር ብርሃ ንጉሰ፣ ንውዕል ስለዘፍረሳ፣ንዝተረፈ ዘይተኸፍለ ገንዘብ ምስ ዋጋ ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ዝኾነ ንብረት ተደሚሩ ብዕዳ ተሓታቲት‘የን ኢሉ ንክኸፍላ ወሲኑ‘ሎ።ኣብ ቀፃሊ መደብና፣ካብ ዝምልከቶም ዘፈር ፍትሒ ወይ ሰብ-ሞያ ሕጊ ተወሳኺ መብርሂ ንምቅራብ ክንፍትን ኢና።

XS
SM
MD
LG