ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ፍትሒ አብ ኢትዮጵያ


ዘፈር ፍትሒ ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ከምበትሪን መፅቀጥን ክጥቀመሉ’ምበር፣ንዜጋታት ዘርብሕ ኣይኮነን ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ሰማያዊ ፓርቲ። ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ዝመዘዞ መፅናዕታዊ ጉጅለ ብወገኑ፣ ኣብ’ቲ ዘፈር ጎሊሁ ዝራኣይ ጉድለታት ከምዘሎ ጠቂሱ።

ኣብ ኢትዮጵያ መሰላት ዜጋታት ዘረጋግፁ ሕገ-መንግስቲን ካልኦት ሕጊታትን ኣለው’ዮም፣ናይ ኣምስሉ እንተዘይኮይኑ ንመሰል ዜጋታት ዘረጋግፅ ኣይኮነን ይብል ሰማያዊ ፓርቲ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኢህወዴግ ዘዋፈሮ ሓደ መፅናዕታዊ ጉጅለ ኣብ ዘፈር ፍትሒ ኢትዮጵያ ይኽሰት ኣሎ ንዝበሎ ፀገማት ኣብ’ዚ ቀረባ ንመራሕቲ’ቲ ግንባር ኣቅሪቡ’ሎ። ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝመርሕዎ ኣኼባ ካብ ሞንጎ ዝተሰምዑ ገምጋማት ገሊኦም፣ዘፈር ፍትሒ፣ኪራይ ኣካብነት ብሰፊሑ ዝራኣይርሉ ዘፈር ኮይኑ ከምዘሎ ደምዲሙ’ሎ።

ዳያኑ ደንጉዮም ይመፁ፣መጋባእያ ተሰይሙ ከሎ ዳያኑ ደንጉዮም ይኣትው፣ ንዓማዊል ምክልባት፣ከቢድ ገበን ንዝፈፀሙ ኣፍኺስካ ምቅፃዕ፣ሰብ ጉዳይ፣ ጠበቃ ክቆፅሩ ከለው ዝሓትዎ ንመን ዳኛ ትፈልጥ? ዝብል ኮይኑ ኣሎ ይብል እቲ ዝቀረበ መፅናዕቲ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኩነታት ፍትሒ አብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:05 0:00

XS
SM
MD
LG