ዋሽንግተን —
መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ፣ ሎሚ ሰሉስ ካብ ብርቱዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ እንግሊዝ ከምዝተፈትሐን ናብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከምዝቀርብን ብኡ ኣቢሉ ናጻ ሰብ ከምዝባሃልን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ።
ንሱ፣ ብሰንኪ ምልሓኹ ሚስጢራዊ ሰነዳት ንዝቀርበሉ ክሲ ክሰምዕን ኣብ መወዳእትኡ ናጻ ናብ ዝወጸሉ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ቅድሚ ምብጽሑ፣ ኣብ ባንኮክ ታይላንድ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ ኣሎ።
ነቲ 52-ዓመት ዝዕድሚኡ ወናኒ ዊኪሊክስ ዘሳፈረት ነፋሪት፣ ነዳዲ ንክትቀድሕ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባንኮክ ታይላንድ ሎሚ ሰሉስ ጠጠው ኢላ ከምዝነበረት’ውን ዝበጽሓና ዜና ገሊጹ ኣሎ።
ኣሳንጅ፣ ጽባሕ ረቡዕ፣ ኣብ ደሴት ሰሜናዊ ማርያና ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቀርብ እዩ።
ብመሰረት ሚንስትሪፍትሒ ኣመሪካ ዘዳለዎ ሰነዳት ክሲ ‘ኣሳንጅ፣ ንዝቀርበሉ ምጥሓስ ሕጊ ስለያ፣ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሚስጢራዊ ሰነዳት ንምርካብ ውዲት ብምፍጻምን ብምብታንን፣ ገበነኛ እየ’ ዝብል ቃል ክህብ እዩ።
እቲ ንሱ ዘመዝግቦ ቃል ግና ብዳኛ ክረጋገጽ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ብድሕሪኡ፣ ኣሳንጅ፣ ናብ ዝተወለደላ ኣውስትራልያ ክምለስ እዩ ይብል ኣሶሴይትድ ፕረስ።
ቅጥዒ