ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ 89 ደያኑ ካብ ስርሖም ምልቃቖም ተገሊጹ


ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፉ ፍርቂ ዓመተ 2017፡ 89 ዳያኑ ካብ ስራሕ ምልቃቖም ገሊፁ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል ኣቶ ኣለም ኣግደው ጸብጻብ መፋርቕ'ዚ ዓመት ንቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ኣብቲ ክልል ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ስርዓተ ፍትሒ ካብ ምዝብዑ ብተወሳኺ እቲ ክልል ብቑዓት ሰብ-ሞያ ክስእን ይገብሮ ኣሎ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ኣብቲ ክልል በብደረጃኡ ካብ ዝርከባ 221 ኣብያተ-ፍርዲ እተን 28 ናይ ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጎንፂ ኣገልግሎት ምሃብ ምቁራጸንን እዚ ድማ ዜጋታት ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰሎም ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድረሉ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ደሕንነትን ሓለዋን ዳያኑ ዘደልድል ኣዋጅ ኣብያተ ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ኣፅዲቑ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ይፍፀሙ ንዝነበሩ ምትእትታው፣ ማእሰርቲን ናጽነት ምስኣንን ምኽንያት ስርሖም ዝሓድጉ ዝነበሩ ቁፅሪ ዳያኑ ከጉድል እዩ ክብሉ ተወካሊ ማሕበር ዳያኑ እቲ ክልል ኣቶ ብርሃኑ ኣሳሳ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ንምግሃስ መሰላት ዳያኑ ኣመልኪቱ ካብቲ ክልል ይቀርብሉ ንዝነበሩ ጥርዓናት ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ናፅነት ደያኑ ክኽበር ድልዱል ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ መስርሕ ክዳሎ ሓሳባት ብምቕራብ ክሓትት ምፅንሑ ብምግላፅ ነቲ ዝፀደቐ ኣዋጅ ሰናይ ጅማሮ'ዩ ክብል ናእድኡ ገሊፁ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG