ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጁባ: ኣብ መንጎ  እሙናት ወታደራት ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ሪያክ ማቻርን ምልውዋጥ ቶኽሲ ተኻይዱ


ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ትማሊ ዓርቢ ቶኽሲ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ትማሊ ሓሙስ ኣብ መንጎ እሙናት ወታደራት ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ሪያክ ማቻርን ብዝተኻየደ ምልውዋጥ ቶኽሲ ሓሙሽተ እሙናት ወታደራት ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ምስተቐትሉ እዩ።

እቲ ቶኽሲ ኣብ ጥቓ ፕሬዝዳንታዊ ቐፅሪ ይመስል ትብል ወኪል ቪኦኤ ቲቶ ጃስቲን።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን መራሕቲ ተቓዋሚ ዝነበሩ ሕዚ ቀዳማይ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝኾኑ ሪያክ ማቻርን ኣብቲ ቦታ ጋዜጣዊ መግለፂ ክህቡ ተባሂሉ ነይሩ።

በቲ ቶኽሲ ዝበፅሐ ሞት ይኹን መን ከምዝተሳተፈሉ ዝተገልፀ የለን።

ክልቲኦም መራሕቲ ዘየድሊ ቶኺ ንምውጋድን ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ብዛዕባ ሓባራዊ ሓይልታት ፀጥታ ምምስራትን ሎማዕንቲ ዓርቢ ክራኸቡ ነይሩዎም።

XS
SM
MD
LG