ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጁባ ተዂሲ ንኽቋረጽ ብዝቐረበ ጻውዒት ትማሊ ተዛማዲ ሰላም ዓሲሉ ውዒሉ


ብፕረዚደንት ሳልቫኪርን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ተዂሲ ንኽቋረጽ ዝቐረበ ጻውዒት ትማሊ 12 ሓምለ ኣብ ጁባ ተዛማዲ ሰላም ዓሲሉ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

እቲ ብወገን ክልቲኦም ተቐናቐንቲ መራሕቲ ዝቐረበ ተዂሲ ናይ ምቁራጽ ጻውዒት በቶም ኲናት ዒፍ ዝበሎም ነበርቲ ጁባን እታ ሓዳስ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይትሽመም ዝሰግኡ መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለው።

ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ድማ ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከርቢ እቲ ኩነታት ናብ ኣምባሳደር ኣመሪካ ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝቐስብ ዘይምዕራጉ ብምጥቃስ: ሓሓሊፉ ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዘሎ ግን ሓቢሩ።

ንሱ ብስሩዕ ዝተወደበ ምውጻእ ገለ ብዙሕ ኣድላይነት ዘይብሎም ኣባላት እቲ ኤምባሲን ግን ከምዘሎ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ቤት ምኽሪ ስድተኛታት ኖርወይ ዝተባህለ ግብረሰናይ ድማ ካብ ኲናት ንዝተመዛበሉ በርጌስ ሓገዝ ክህብ ይጽናሕምበር በቲ ዝተፈጥረ ኲናት ስርሒቱ ክውንዝፍ ምግዳዱ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG