ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ክልቲኣን ኮርያታት ዝተዋጽአት ጉጅለ ኣትሌታት ብሓባር ኣብ ኦሎምፒክ 2018 ክትሳተፍ'ያ


ናይ ሰሜን ኮርያ 12 ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ጸወታ ሆኪ ሎሚ ሓሙስ ናብ ደቡብ ኮርያ ብምኻድ ብዓይነቱ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ኦሎምፒክ 2018 ዝሳተፍ ናይ ሓባር ጋንታ መስሪተን። እዚ ናይ ሓባር ጋንታ ሆኪ ክልቲኣን ኮርያ ኣብ 1950 ዓ.ም ካብ ዝፈላለያ ንመጀመርያ ጊዜ ዝተመስረተ ምኳኑ ተገሊጹ።

አባላት እታ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጸት ጋንታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ደቡብ ኮርያ ዝኣተውሉ እዋን ካብ ደቡብ ኮርያ ዝተዋጽኡ አባላት እታ ጋንታን ኣሰልጣኒ እታ ናይ ሓባር ጋንታ ኣሜሪካዊ ሳራ ሙሪ ተቐቢሎም።

እተን ካብ ክልቲኡ ኮርያ ዝተዋጽኡ ኣትሌታት ንዝመጽእ ቁሩብ መዓልታት በበይኖም ክስልጡ ከምዝጸንሑን ድሒሮም ግን ብሓባር ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። እታ ናይ ሓባር ጋንታ ናይ መጀመርያ ግጥማ የካቲት 4 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣቐዲመን ክልቲኣን ኮርያ ናይ ሓባር ጋንታ ኩዕሶ እግርን ቴንስን ብምምስራት ኣብ ኦሎምፒክ ክልተ ጊዜ ምስታፈን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG