ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ጥሕሰት ሕጊ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት፣ሕጊ ሰብኣዊነትን ስደተኛታትን ተፈፂሞም ኢሉ ከምዝኣምን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን ዝወፀ ሓባራዊ ምርመራ ገሊፁ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ክፋል እቲ ፀብፃብ ዕቃበታትኳ እንተሃለዎከም ኣገዳሲ ሰነድ ተቐቢልናዮ ኣለና ኢሉ።ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብዝብል ዝፅዋዕ ኣካል ምምሕዳር ትግራይ እቲ ፀብፃብ ብቡዛሕት ፀገማት ዝተመልአ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።መንግስቲ ኤርትራ እቲ ፀብፃብ ብዙሓት ናይ ሕጊ፣ናይ ኣሰራርሓን ቀዳምነ ዝውሃቦም ዓለምለኸ ደንብታትን ልምድታትን ሕቶታት ዘልዕል እዩ ኢሉዎ ኣሎ።ህይወትማን ራይትስ ዎች እውን ተሓታትነት ዘረጋግፅን ዓለምለኸ መስርሕ ምርመራ ከጣይሽ እዋኑ እዩ ኢሉ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሩዎ ውፅኢት ሓባራዊ ምርመራ እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዘስዓቦ ዘይሕጋዊ ቅልትለት፣ስቅያት፣ፆታዊ መድፈርትን ኣብ ፆታ መሰረት ዝገብረ መጥቓዕትን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈፀሙ መግሃስታትን ንሰላማዊያን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባልን መጥቓዕትታትን ዘርዚሩ ኣሎ።