ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ስርዓት ስንብት ሬሳ ጆን መከይን ኣብ ካፒቶል ሂል


ሬሳ እቶም ነዊሕ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ዘገልገሉን ናይ ውግእ ጅግና ዝባሃሉን ሴነተር መከይን ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ከምዝጸንሕ ተገሊጹ።

ሬሳ’ቶም ሴነተር ካብ’ታ ቅድሚ 36 ዓመታት ዝተመረጹላ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ትማሊ ምሸት’ዩ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ግዒዙ።

ኣብ’ቲ ‘ሮቱንዳ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣዳራሽ ይካየድ ዝዋዓለ ስነ ስርዓት ኣማኢት ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ተሳቲፎምሉ’ዮም።

ሬሳ ሴነተር መከይን ኣብ’ቲ ኣብ 1865 ንሬሳ ፕረዚደንት ኣብራሃም ልንኮልን ዝጾረ ስፍራ’ዩ ንክዓርፍ ተገይሩ።

ናብ’ቲ ሎሚ ዓርቢ ቀጺሉ ዝዋዓለ ስነ ስርዓት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣይተዓደሙን።

ብዘይካኦም ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ ክዛረቡ’ዮም። ብዘይካ’ዚ ባዓልቲ ቤት መከይን ወ/ሮ ስንድይ፣ 7 ደቆምን 106 ዓመት ዝዕድሚኤን ወላዲቶም ወ/ሮ ሮበርታ መከይን ኣለው።

XS
SM
MD
LG