ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆኒ ኬሪ ምስ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ጁባ ተራኺቦም


South Sudan's President Salva Kiir, right, chats with U.S. Secretary of State John Kerry as he greets Kerry at the President's Office in Juba, South Sudan, Friday, May 2, 2014. Kerry is urging South Sudan's warring government and rebel leaders to uphold a
South Sudan's President Salva Kiir, right, chats with U.S. Secretary of State John Kerry as he greets Kerry at the President's Office in Juba, South Sudan, Friday, May 2, 2014. Kerry is urging South Sudan's warring government and rebel leaders to uphold a
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ኣብ መንጎ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሕዚ ድማ መራሒ ተቓዋሚ ሪክ ማቻርን ገፅ ንገፅ ንኽራኸቡ ኩነታት ንምምችቻው ኣብ ጁባ ምስ ፕሬዝዳንት ኪር ተራኺቦም።ፕሬዝዳንት ኪር ዝቕፅል ሰሙን ኣብዝካየድን መራሒ ተቓዋሚ ሪክ ማቻር ክርከብሉ ተስፋ ኣብዝተገበረሉን ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምጉዓዝ ክቓደኛ ምዃኖም እውን ኬሪ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬሪን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ንልዕሊ ሓደ ስዓት ተዘራሪቦም ኣለው።ኬሪ ንሪክ ማቻር እውን ብቴሌፎን ኣዘራሪቦምዎም ኣለው።

‘’ንሪክ ማቻርን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ምርኻብ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክትግበርን ብዛዕባ ስግግር መንግስቲ ንምልዛብን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዕራፍ እዩ’’ ኢሎም ኬሪ።
ክልቲኦም ሰባት ነቲ ጆን ኬሪ ዘደንግፅ ዝበልዎ ነገዳት ፈሊዩ ንስቪላት ዒላማ ገይሩ ዝፍፀም መጥቓዕቲን መቕተልትን ክኹንኑዎ ፀዊዖም ኣለው ኬሪ።እቲ ህውከት ካብ ዝጅመር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ድማ ተፈናቒሎምን ኣለው።

እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዝርርብ እንተሰሚሩ ኢለን ኣብ ዋሽንግተን ናይ ዝመደብሩ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ Human Rights Watch ምኽትል ዳይረክተር ሳራ ሞርጋን እቲ ውግእ ሎሚ እውን ቀፂሉ ስለዘሎ ንስቪላት ኣብ ምክልኻል ትኹረት ክግበር ኣለዎ ኢለን።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣትዮም ንስቪላት ዝከላኸሉ ብሕቡራት መንግስታት ዝፀድቕ 2,500 ኣፍሪካዊያን ወታደራት ዝሓቖፈ ሓይሊ ናብ ደቡብ ሱዳን ብህፁፅ ክልኣኽ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ዞባዊ መራሕትን ሕብረት ኣፍሪካን ክትሰርሕ እያ ኢሎም ኬሪ።

ምምሕዳር ኦባማ ህውከት ኣብ ልዕሊ ዝፍፀሙ ማዕቐባት ንምንባር እናጠንቀቐ እዩ።
ኬሪ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ምስ መራሕቲ ስቪል ማሕበረሰባት፣ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታትን ብምኽንያት እቲ ኵናት ናይ ዝተፈናቐሉ ወኪላትን እውን ተራኺቦም ኣለው።
XS
SM
MD
LG