ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆን ኬርይ ምስ መራሒ ኢትዮዽያን ኢጋድን ተዘራሪቦም


ጆን ኬርይን መራሕቲ ኢጋድን
ጆን ኬርይን መራሕቲ ኢጋድን

ኢትዮዽያ ኣብ ምትህድዳእን ሰላምን‘ቲ ዞባ ሒዛቶ ዘላ ግደ ዝናኣድ‘ዩ ኢሎም ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ።ሃገሮም ንኢትዮዽያ 800 ሚልዮን ዶላር ከምዝመደበት‘ውን ጠቂሶም።

መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንቅድሚት ንክቅፅል፣ሃገራት‘ቲ ዞባ ናብ ሓደ መድረኽ ክጥመሩን ውዕል ምቁሩፅ ተፃብኦ ንክፍረምን ተፃባእቲ ወገናት ክላዘቡን ኢትዮዽያ ሓጊዛ‘ያ።ኣብ ሶማልያ ይኽሰት ንዘሎ ስግግር‘ውን ኣበርክቶ ኣለዋ ኢሎም።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ለውጢ ኣየርን ምርግጋፅ ውሕስነት መግብን ሓቢረን ይሰርሓ‘ለዋ ኢሎም።ከምኡውን ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ፀገም ግብረ-ሸበራን ፅንፈኝነትን ሓቢረን ይምክታ‘ለዋ ይብሉ እቶም ቀ/ሚ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ጆን ኬርይ ምስ መራሕቲ ኢጋድ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ፕረዚደንት ኢስማይል ኦማር ጉሌህን ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን መኺሮም።

ሙሉእ ሪፖርት ይስምዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:14 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG