ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰል ሓሳብ ብነፃ ምግላፅ ሃገራት ብዝበለፀ ንኽድልድላ ይገብር ኢሎም ጆን ኬሪ


ጆን ኬርይ
ጆን ኬርይ
ዜጋታት ሓሳቦም ናይ ምግላፅ መሰል እንትህልዎም ሃገራት ብዝበልፀ ድልዱላት ይኾና ክብሉ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ተዛሪቦም።ፖሊሲ ሃገሮም ኣብ ኣፍሪካ ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመናእሰይ መደረ ዘስምዑ ኬሪ ቀንዲ ምንጪ ዓቕሚ እታ ኣህጉር ዝፍልፍል ዜጋታት ምሉእ ኣስተዋፅኦ ንምብርካት ካብዘለዎም ብቕዓት እዩ ኢሎም።

ናይ ኢትርዮጵያ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ዑደቶም እንትዛዝሙ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ጆን ኬሪ ብዛዕባ ተስፋን ስግኣትን ኣፍሪካ ዘርዚሮም።
መብዛሕቲኦም መናእሰይ ኣብዝተረኸብሉ ዝተዛረቡ ኬሪ እታ ኣህጉር እትጉዓዘሉ ዘላ ኣንፈት ኣብ ኢድኩም እዩ፤ኣሜሪካ ድማ ኣጋርኩም ክትኸውን እያ ኢሎም።

ሃገራት ንዓርሰን ክኢለን ብኽልተ እግረን ጠጠው ንክብላ ክንሕግዘን ከለና ናይ ዓወተን ተኻፈልቲ እውን ኢና ዝበሉ ጆን ኬሪ ኣስዒቦም ‘’ምሳና ዝለዓለ ርክብ ንግዲ ካብዘለወን ናይ መጀመሪያ 15 ሃገራት እተን 11 ቅድም ኢለን ተረባሕቲ ረድኤ ኣሜሪካ ዝነበራ ሃገራት እየን።ሎሚ ግን ሓገዝቲ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።ከምዚ ዝበለ ለውጢ ክመፅእ ኢና ንደልዮ’’ኢሎም።

ኣፍሪካ ኣብ ምምዕባል ከምእትርከብን ብቐፃልነት ንምዕባይ እውን ዕድላት ከምዘለውዋን ዝሓበሩ ኬሪ እቲ እዋን ግን ናይ ዕድል ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ውሳነ እውን እዩ ኢሎም።ናይታ ኣህጉር ቀንዲ ዓቕሚ ዜጋታት ምዃኖም ምርዳእ ከምዘድሊ ብምሕባር።

ናይ ኣፍሪካ ዓቕሚ ዝፍልፍል ዜጋታት ሓሳቦም ናይ ምግላፅ ነፃነት ክህልዎም ከሎ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ብዝበለፀ ዱልዱላት ይኾና።ብኡ ኣቢሉ ድምፂ ዜጋታት ኣካል ሰፊሕ ፖለቲካዊ መስርሕ ይኸውን ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪካ ውሽጢ ኣብተን 37 ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ እዩ ብመሰረት ጆን ኬሪ።ካብዚአን 15 ሃገራት ፕሬዝዳንታዊ ምርጫታት ክካየደለን እዩ ወሲኾም ከምዝሓበርዎ።

ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ኣፍሪካዊያን መራሕቶም ንምምራፅ ናብ መውሀቢ ድምፂ ከቕንዑ እዮም ዝበሉ እቶም ምንስቴር ወፃኢ ምርጫ ምክያድ በይኑ ግን እኹል ኣይኮነን ኢሎም።
እዞም ምርጫታት እዚኦም ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም ክነግረኩም እደሊ ምስ በሉ ‘’ዜጋታት መፃኢ ዕድሎም ዝውስንሉ ግን ምርጫታት ጥራሕ ኣይኮኑን’’ኢሎም።ኣብ ናይ ድምፂ መውሃቢ ዕለት ጥራሕ ከይኮነስ ብብማዕልቱ ዜጋታት ምስ መንግስቶም ክዘራረቡ እንተኾይኖም፣ምስ ካልኦት ወገናቶም ፖለቲካዊ ምይይጥን ክትዓትን ዘካይዱ እንተኾይኖም እውን እዩ ኢሎም።

ንናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ልምዓትን ዕንቅፋት ዝኾኑ ግጭታት ንምፍትሒ ምምሕዳር ኦባማ ንመራሕቲ እታ ኣህጉር ንምሕጋዝ ድልዊ ምዃኑ ጆን ኬሪ ኣብቲ ናይ ፖሊሲ መደርኦም ሓቢሮም።

ኣሜሪካ ንግዕዝይና ኣብ ምግጣም ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ሓቢራ እናሰርሐት እያ ኢሎም።ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ዝውውር ደው ንምባል ንዝግበር ፃዕሪ እውን ከምዝድግፉ ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG