ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ር ወፃኢ ጆን ኬርይ ኣብ ጉዳይ ሶርያ መግለፂ ሂቦም


John Kerry
John Kerry
መንግስቲ ሶርያ ዝሓለፈ ቅነ ኬሚካላዊ ጥቅዓት ንምፍፃሙ ናይ ኣሜሪካ ስለያዊ ሓበሬታ ገሊፆም ኢሎም ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ።እንተኾነ ኣሜሪካ እንታይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ክትህበሉ‘ያ ንዝብል ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።

ጆን ኬርይ፣ሎሚ ዝተዋሃበና ኣብ ምስጢራዊ ስለያ ዝተመርኮሰ ሓበሬታ፣ኣብ‘ቲ ዝሓለፈ ቅነ ዝተፈነወ ኬሚካላዊ ጥቅዓት ን426 ህፃናት ሓዊሱ ብሓፈሻ 1,400 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊፁ‘ሎ ኢሎም።

ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ ወሲኾም፣ኪኢላታት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ሶርያ እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ሰለስተ መዓልታት ኣቀዲሞም ኣብ‘ቲ ስፍራ ከምዝተራኣዩ‘ውን ሓቢሮም።ተወንጫፊ ካብ መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ከባቢ ጥራሕ ተተኲሱ ናብ ተቃወምቲ ዝቆፃፀርዎን ወይካኣ ዝሳሓሓብሉን ዞባ ከምዝዓለበን‘ውን ጆን ኬርይ ጠቂሶም።

ንሶም ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ላዕለዎት ወትሃደራዊ ኣዘዝቲ ሶርያ፣ኬሚካላዊ ጥቅዓት ንምፍፃሙ ብዝተጠለፈ ርክብ ሬድዮ ኣረጋጊፆም እዮም‘ውን ኢሎም።

እንተኾነ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ እንታይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ከምዝህቡ ካብ መግለፂ‘ቶም ምንስትር ወፃኢ ንምፍላጥ ኣይተኻኣለን።ኣሜሪካ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ክተሕልፍ‘ያ ኢሎም‘ለው።

ግፍዐኛን ሓራዳይን ኢሎም ንፕረዚደንት ሶርያ ዝገለፁ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ፣እቶም ፕረዚደንት ዝመርሕዎ ስርዓት ብገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ተሓታታይ‘ዩ‘ውን ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ሎሚ ዓርቢ ንቅልውላው ሶርያ እንታይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ምሃብ ከምዝግባእ ንምዝርራብ ምስ ኣማኸርቶም ተሰይሞም ነይሮም።እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ዝተካየደ፣ሓደ ድሕሪ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ዝተዋሃበ መብርሂ‘ዩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ፓርላማ እንግሊዝ ንቀ/ሚ ዴቪድ ካሜሩን ዘቅረብዎ እማመ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣንፃር መንግስቲ ሶርያ ምንፃጉ፣ነቶም ቀ/ሚ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቀ/ሚ ዴቪድ ካሜሩን፣እንግሊዝ ኣንፃር ምጥቃም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ንዝተሓንፀፁ ኣድማሳዊ ውዕላት ክትግብር ይግባእ ኢሎም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራስዮስ ሆለንድ ብወገኖም፣ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ውሳነ ፓርላማ፣ሃገሮም ንትስዕቦ ፖሊሲ ሶርያ ከምዘይፀልዎ ገሊፆም።

ጀርመን ካብ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ተንሳሕብ ዘላ ትመስል።ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪሙን፣ጉዳይ ሶርያ ምስ ሓሙሽቲኦም ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ይዘራረቡሉ ምህላዎም‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።
XS
SM
MD
LG