ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴክረተርይ ጆን ኬርይ ኣብ ኢትዮዽያ ክኣትው‘ዮም


John Kerry
John Kerry
ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ፣ኣብ ኢትዮዽያ ወግዓዊ መገሻ ንምፍፃም ፅባሕ ረቡዕ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው‘ዮም።

ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ኣሜሪካ፣ዕላማ ሚስተር ኬርይ ዴሞክራስያዊ ምዕባለን ሰብኣዊ መሰላትን ንምትብባዕ ምኳኑ ይጠቅሱ።እቶም ምንስትር ወፃኢ፣ነታ ኣህጉር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ከብፅሑ ይኽእሉ‘ዮም ምስዝባሃሉ መናእሰያት‘ውን ክራኸቡ መደብ ኣለዎም።

ናይ ኢትዮዽያ መገሸኦም ግና ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ቆላሕታ ዝህብን ምስ መራሕቲ ሱዳን ከምዝራኸቡን እቲ ዜና ይሕብር።

ብዘይካ‘ዚ ጆን ኬርይ፣ምስ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝን ምስ ምንስትር ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ተራኺቦም ክላዘቡ‘ዮም።

መገሻ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ፣ትሻዓተ ጋዜጠኛታት ቅድሚ መዓልታት ድሕሪ ኣብ ኢትዮዽያ ምእሳሮም ተጋጢሙ‘ሎ።

ናይ‘ቶም ጋዜጠኛታት ምእሳር ንመራሕቲ ኢትዮዽያ ከልዕሉሎም እንተኾይኖም መልሲ ዝሃቡ ጆን ኬርይ፣ኣሜሪካ ንምስረታ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ናፃነት ፕረስን ዘለዋ ፅኑዕ መርገፂ ኣብ ቦትኡ‘ዩ ዘሎ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG