ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊ ጠፈርተኛ ጆን ግለን ዓሪፉ


ሴነተር ጆን ግለን
ሴነተር ጆን ግለን

ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካ፣ ጠፈርተኛን ኣባል ሴነት ኣሜሪካን ዝነበረ ኣሜሪካዊ ጆን ግሌን ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድሚኡ ትማሊ ኣብ ሆስፒታል ኮሎምበስ ኦሃዮ ዓሪፉ።

ንሱ ኣብ ውድድር ናብ ህዋ፣ ኣሜሪካ ምስ ሕብረት ሶቭየት ነበር ንክትወዳደር ዘኽአለ’ውን’ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ካብ ጠፈርተኛነት ርሒቁ ኣባል ሴነት ኣሜሪካ ኮይኑ 24 ዓመታት ኣገልጊሉ’ዩ።

ንሙሉእ ዕድመይ ግምዕ ኢለ ክሪኦ ከለኹ፣ ንሃገረይ ዘገልገልኩሉ ዕድመ ኮይኑ’የ ረኺበዮ’ በለ ንሱ።

ጆን ግለን ጉዕዞ ናብ ህዋ መሊኡ ኣይገደፎን። ድሕሪ 36 ዓመታት ኣብ 1998 ተመሊሱ። ኣብ ሞንጎ ‘እርጋንን ስሕበት ኣልቦነትን’ ንዘሎ ምትእስሳር ኣማእኪሉ ንዝተካየደ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ንምሕጋዝ ወፊሩ’ዩ።

ሴነተር ግለን ተቐባሊ ብርክት ዝበሉ ሜዳልያታት’ውን’ዩ። ቅድሚ 4 ዓመታት ካብ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝተቀበሎ ሽልማት ሜዳልያ ክብሪ ሓደ ካብ’ቶም ሽልማታት’ዩ።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ትማሊ ሪኢቶኦም ሃቡ ‘ግሌን ንወለዶታት ሳይንቲስታት፣መሃንዲሳትን ናብ ማርስን ስግር ማርስን ዝወስዱና ጠፈርተኛታት ኣለዓዒሉልና’ዩ’ በሉ።

XS
SM
MD
LG