ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆኒ ካርሰን ንኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣመሳሲሎም


ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ፣ምስ ምንስቴር ወፃኢን ምስ ካልኦት ላዕለዎ ሰበስልጣንን ንምዝርራብ ፈቲነ ነይረ።እንተኾነ ግን ዋላ ክልተ ዓመታት እንተገበረ እውን ክሳብ ሕዚ ቪዛ ማለት’ውን ናይ መእተዊ ፍቓድ ኣይረኸብኩን።’’ይብሉ። ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበሩ ግርማይ ገብረማርያም ግና” ንሕና ንጆኒ ካርሰን ቪዛ ኣይከልከልናን፡ ሕዚ`ውን ፓስፖርቱ እንተሰዲዱልና ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ክንውድኣሉ ንኽእል ኢና” ምባሎም ይዝከር

ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓጋዚ ጉዳያት ኣፍሪካ ጆኒ ካርሰን ኣብ መጀምርያ ሰሙን እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣፍሪካ ብዛዕባ ዘለዋ ፖሊሲ Woodrow Wilson ኣብ ዝተብሃለ ማእኸል ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም ነይሮም።ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረቡ እንተለው እውን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓፈናን ቁጠባዊ ምንቁልቛልን ምስ ሰሜን ኮሪያ ኣሰሊፉዋ’ሎ ኢሎም ጆኒ ካርሰን።

ንሶም ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣፍሪካ ኣለዋ ካብ ዝበሉዎም ሓሙሽተ ናይ ትኹረት ነጥብታት ምጥንኻር ዴሞክራስን ሰናይ ምሕደራን፣ግጭታትን ቅልውላውን ኣብ ምፍታሕ ምሕጋዝን ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ልምዓትን ንኽጠናኸር ምሕጋዝን ዝብሉ ከምዝርከብዎም ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ኤርትራ እናወሰኸ ዝኸደ ፖለቲካዊ ዓፈናን እቲ ቁጠባ ኣብዘለዎ ጠጠው ምባልን ድማ ኣብ ጎኒ ሰሜን ኮሪያ ኣሰሊፉዋ’ሎ ይብሉ።ናይዚ ሕዚ እዋን ምምሕዳር ዩናይትድ ስቴትስ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ስልጣን ኣብዝሓዘሉ እዋን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሂላሪ ክልንቴን ምስ ኤርትራ ዘለና ርክብ ንምምሕያሽ ምፍታኖም እንትገልፁ ‘’ናብ ኣስመራ ከይደ ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ፣ምስ ምንስቴር ወፃኢን ምስ ካልኦት ላዕለዎ ሰበስልጣንን ንምዝርራብ ፈቲነ ነይረ።እንተኾነ ግን ዋላ ክልተ ዓመታት እንተገበረ እውን ክሳብ ሕዚ ቪዛ ማለት’ውን ናይ መእተዊ ፍቓድ ኣይረኸብኩን።’’ይብሉ።

ብዛዕባ እዚ ቪዛ ምኽልካል ዝብል ነገር፡ ዝሓልፈ ዓመት፡ ካብ ኢምባሲ ኤርትራ ምላሽ ሓቲትና፡ ኣብ`ቲ እዋን ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበሩ ግርማይ ገብረማርያም፡” ንሕና ንጆኒ ካርሰን ቪዛ ኣይከልከልናን፡ ሕዚ`ውን ፓስፖርቱ እንተሰዲዱልና ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ክንውድኣሉ ንኽእል ኢና” ምባሎም ይዝከር።

ጆኒ ካርሰን ምኽትሎም ዳን ያማማቶ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ፈተነ ናብ ኤርትራ ንምኻድ እንተኸኣሉ’ውን ጉዳይ ከፈፅም ዓቕሚ ምስዘለዎም ብዓል ስልጣን ንምዝርራብ ከምዘይክኣሉ ይዛረቡ።

ብኻሊእ ወገን ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር’ውን ናይ ልኡኽነት መረጋገፂ ከየረከቡ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ከምዝተመለሱ ካርሰን ይገልፁ።

ብምስዓብ ከምዚ ይብሉ።’’ናተይ ፃዕሪ ከይሰመረ ምስተረፈ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሂላሪ ክልንቴን ባዕለን ምስ ኤርትራ ዝሐሸ ርክብ ክህልወና ንደሊ ኢና ኢለን ንፕሬዝዳንት ኢሳያስ ንምዝርራብ ፈቲነን ናይ ቴለፎ ፃዊዒተን ኣይቅበልን ኢሎም።’’ይብሉ።ኣስዒቦም ድማ

ሓድሽ ኣምባሳደር ናብ ኤርትራ ከምዝተልኣኹን እቶም ኣምባሳደር ግን ካብ ከባቢኦም ወፃኢ ክንቀሳቐሱ ከምዘይክኣሉን ከምግብረ መልሲ ድማ ኣብዚ ዝነበሩ ኣምባሳደር ኤርትራ ካብ ሃገር ከምዘውፅእዎምን ሓቢሮም።

ኤርትራ ነቲ ከባቢ ትህውክ’ላ፣ኣብ ሱማሊያ ዘሎ ኩነታት ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ንምድኻምን ምስ ኢትዮጵያ ናይ ውክልና ግጭት ንምክያድን ተጠቒማትሉ ዝበሉ ጆኒ ካርሰን ኣስዒቦም ኤርትራ ምሳና ናይ ምስራሕ ድልየት እንተድኣ ሃሊዩዋ ምስኣ ንምስራሕ ድሉዋት ኢና ናይ ምዝርራብ ድልየት እንድሕር ድኣ ዘይሃሊዩዎም ግን ምስኦም ምስራሕ ኣይንኽእልን ክብሉ ገሊፆም።

ነዚ ብዝምልከት ናይ ኤርትራ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ፃዕርና ግን ክቕፅል እዩ።

XS
SM
MD
LG