ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓልቲ ቤት ምክትል ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ዝኾና ዶ/ር ጂል ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ከካይዳ እየን


ዶ/ር ጂል ባይደን
ዶ/ር ጂል ባይደን

በዓልቲ ቤት ምክትል ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ዝኾና ዶ/ር ጂል ባይደን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ፣ ማላዊን ኒጀርን ከምዝገሻ ተፈሊጡ።

ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ንዓለምለኸ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ካትሪን ራሰል ሓቢረንአን ከምዝጉዓዛን ቁጠባዊ ዓቕምን ዕድል ትምህርትን ድቂ ኣንስትዮ ንምሓል ምስ መንግስታትን መሻርኽቲ ስቪል ማሕበረሰባትን ክራኸባ እየን።

ዶ/ር ባይደንን ኣምባሳደር ራሰልን ጥምየት ንምንካይን ሰባት ካብ ድኽነት ንምውፃእን ኣብ ጥዕናን ውሕስነት ምግብን ኣዳልይነት ሽርከነት ብዝምልከት ከምዝዝትያሉ ዋይት ሃውስ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG