ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሊ-- ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለ 70 ሰባት ቀቲሎም 200 ኣቝሲሎም


ከተማ ባማኮ - ፋይል
ከተማ ባማኮ - ፋይል

ጥሩፋት እስላማውያን ጕጅለ ኣብ መደበር መሰልጠኒ ፖሊስ ከተማ ባማኮ ማሊ ብዝፈጸሙዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 70 ሰባት ቀቲሎም ካልኦት ተወሰኽቲ 200 ድማ ኣቝሲሎም።

እቲ ኣሃዝ ካብኡ ክዓቢ ከም ዝኽእል ዘመልከተ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ካልእ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ምንጪ ኣባል ጸጥታ ድማ ብዝሒ ምዉታት 77 ቍሱላት ድማ 255 ምዃኑ ኣመልኪቱ። ሳልሳይ ንደገ ዘይተዘርግሐን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝረኸቦ ውሽጣዊ መዝገብ ድማ ብዝሒ ምዉታት ክሳብ 100 ክበጽሕ ከም ዝኽእል፡ ካብኣቶም ነቶም 81 ድማ ብስም ዘርዚሩዎም ኣሎ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ንመጠን ዕንወት እቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን። እንተዀነ በቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ዝተርገሐ ምስልታትን ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ’ውን ሓቅነቱ ዝተረጋገጸ፡ ንቀንዲ ማዕርፎ ነፈርቲ እንኮላይ ዘጥቅዑ ዕጡቓት፡ ንነፋሪት ፕረዚደንትን ካልኦት ነፈርቲን’ውን ኣቃጺሎም ኣለዉ።

ምስ ጕጅለ ኣልቓዒዳ ኢድ ከም ዘለዎ ዝሕበር እስላማዊ ጕጅለ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኰይኑ፡ ገለ ካብቶም ኣባላቱ’ውን ተማሪኾም ከም ዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG