ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ስርዓተ-ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣሳታፊ ኣይኮነን`-ጆኒ ካርሰን


ምኽትል ምንስተር ወጻኢ ኣመሪካን ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃን ዝነበረ ጆኒ ካርሰን፡ ኣብ ኣፍሪቃ 2ይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋን፡ ብኤኮኖሚ ብቕልጡፍ ክዓብያ ካብ ዝጸንሓን ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ፡ ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ስርዓት የብላን ኢሉ።

“ብዘሕዝን መልክዑ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ውሑድ ቑጽሪ ብዘለዎም ኣባላት ብሐረ-ሰብ ትግራይ ብዓብላልነት ክምራሕ ጸኒሑ`ሎ። መጠነ-ሰፊሕ ስልጣንን ምምሕዳራዊ ሓላፍነትን፡ በዞም 7 ወይ 8 ሚእታዊ ብዝኸውን ብዝሒ ዘለዎም ኣባላት ብሐረ-ሰብ ዝተታሕዘ`ዩ።”

ጆኒ ካርሰን ኣተሓሒዙ፡ እቶም ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎም ብሐረ-ሰባት ኦሮሞን ኣምሓራን፡ ካብ ኩሉ ተገሊልና ዝብል ስምዒት ኣለዎም ኢሉ።

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

`ስርዓተ-ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣሳታፊ ኣይኮነን`-ጆኒ ካርሰን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:57 0:00

XS
SM
MD
LG