ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊ ሃርቬይ ኦስዎልድ ጥርጡር ቀታሊ ፕረዚደንት ኬነድይ


ሊ ሃርቬይ ኦስዋልድ
ሊ ሃርቬይ ኦስዋልድ
ንፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬኔድይ መን ቀንፂልዎም? ብዛዕባ ጥርጡር ቀታሊኦም ዝባሃል ሊ ሃርቬይ ኦስዋልድ ገለ ሓበሬታ ክነቅርበልኩም፣

ቀዳሞት ዓመት ስሳታት፣ክፍለ-ግዝኣት ሕብረት ሶቭየት ነበር ምንስክ ቤላሩስ፣መንበሪ ንፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነድይ ዝቀንፀለ ሊ ሃርቬይ ኦስዋልድ‘ያ ነይራ።ሽዑ ይፈልጥዎ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ብዛዕባ ኦስዋልድ ንፈለማ ጊዜ ዝፈልጥዎ ነገር ክዛረቡ ኪኢሎም‘ለው።

ቅድሚ ንኬኔድይ ዘሳፈረት መኪና፣ቅድሚ ኣብ ሻድሻይ ደርቢ ዝዓረደ ሰብ፣ሚኒስክ‘ያ ትጥቀስ።ኣብ ምጅማር ስሳታት፣ርእሰ-ከተማ ቤላሩስ ምንስክ፣ንነብሱ ማርክሲስት‘የ ኢሉ ዝገልፅ ሃርቬይ ኢስዋልድ ዝነበረላ ከተማ‘ያ።

ንኦስዋልድ ንፈልጦ ኢና ኢሎም ዝዛረቡ ሰባት ብግልፂ ሪኢቶና ክንህብ ንኽእል ኢና ይብሉ‘ለው።

ብኦስዋልድ ተፃሒፎም‘ዮም ዝባሃሉን ዳሓር ዝተበተኑን ሰነዳት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካን ሩስያን ተጋራጨውቲ ኣረኣእያታት ከምዝነበሮ‘ዮም ዝሕብሩ።ገለ እዋን ይንእደን፣ገለ እዋን ድማ ይነቅፈን ኣብ‘ቲ ፅሑፍ።

ንቅንፀላ ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነድይ ክተፃርይ ዝቆመት ብዋና ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ትምራሕ ኮሚቴ ግና፣ሊ ሃርቬይ ኦስዋልድ ንኬኔድይ ዝቀንፀለ ብውልቀ ተበግሶ‘ዩ ኢላ‘ያ ደምዲማ።ሹሽኮቭች፣ማርካቫን ያክሌይል ግና በቲ መደምደምታ‘ቲ ኣይሰማምዑን።ብድሕሪ ቅንፀላ ጆን ኤፍ ኬኔድይ ገለ ዓይነት ውዲት ኣሎ ኢሎም ይጥርጥሩ።

ሊ ሃርቬይ ኦስዋልድ ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራ፣ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉምን ምስሊን ዘለዎ ሰብ ኮይኑ ቀፂሉ‘ሎ።እቲ ኣብ ዳላስ ዝተኸሰተ ነገር ግና፣ኦስዋልድን ቅንፀላ ጆን ፊትዝጀራልድ ኬኔድን ተኣሳሲሩ‘ሎ።
ሙሉእ ሪፖርት ቀፂሉ ቀሪቡ‘ሎ ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:17 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG