ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንምቑራጽ ተዅሲ ቓዛ ዝጽውዕ ተቓውሞ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዘካይዱ ገለ ሰልፈኛታት ኣብ ቐይዲ ኣትዮም


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣይሁድ ንምቑራጽ ተዅሲ ዝጽውዕ ተቓውሞ ኣብ ቤት ጽሕፈት ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ (ካፒቶል ሂል) ኣብ ዘካየድሉ እዋን ፖሊስ ካፒቶል ሂል ንገለ መምርሒ ኣይተኸተሉን ንዝበሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ`ሎ።

ኣስታት 500 ዝኾነ ተሰለፍቲ ናብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ብምኻድ፡ ምምሕዳር ባይደንን ኣባላት ባይቶ ኣመሪካን ንምቁራጽ ተዅሲ ሓማስን እስራኤልን ክደፍኡ ይሓቱ ኔሮም።

እቶም "ድምጺ ኣይሁድ ንሰላም" ዝብል መጸውዒ ዘለዎም ተሰለፍቲ፡ ጸሊም ማልያ ተኸዲኖም፡ “ኣይሁድ ምቁራጽ ተኹሲ ይጽውዑ” “ብሽምና ኣይትጠቐሙ” ዝብል መልእኽትታት የሕልፉ ኔሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG