ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ሓዱሽ ፕሬዝዳንቶም ተቐቢሎም


ኣሜሪካዊያን ሎማዕቲ ሓሙስ 13 ጥሪ ወይ 20 ጥሪ ሓዱሽ ፕሬዝዳንቶም ተቐቢሎም ኣለው።ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ መሪር ፅልእን ህውከትን ዝተርኣየሎም እዋን ክኾኑ ከለው ብርክት ዝበሉ ኣሜሪካዊያን ንዓወት ፕሬዳንት ጆ ባይደን ኣብ ምርጫ ምዕዋት ክቕበሉዎ ኣይክኣሉን።

ርግፀኛ ዘይነበረ ውፅኢት ምርጫ ምስተግሃደ ግንጆ ባይደን ከምዚ ኢሎም ‘’ናይዛ ሃገር ህዝቢ ተዛሪቡ ኣሎ።ግልፂን ዘእምን ዓወት ሂቡና ኣሎ’’ ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንደገፍቶም ብምትእኽኻብ ኣብቲ ውፅኢት ሕቶ ምልዓሎም ቀፂሎም።እዚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ካፒቶል ዓመፅ ክልዓል ምኽኒያት ኮይኑ።

ካፒታል ሕዚ ወታደራዊ ድፋዕ እዩ ኮይኑ።መድረኽ መፈፀሚ ቃለ መሓላ ካብ ተመልከቲ ሪሒቑ።25,000 ኣባላት ሃገራዊ ዘብዒ /National Gurads/ ሓዊሱ ግዙፍ በዝሒ ፖሊስ ተዋፊሮም።

ብምንፅፃር ፕሬዝዳንት ትራምፕ ነጋዳይ ክኾኑ ከለው ፕሬዝዳንት ባይደን ግን ምኩር ፖለቲከኛ እዮም።

ባይደን ብህዝቢ እናተመረፁ ንኣስተታ ሓምሳ ዓመታት ሰሪሖም እዮም።ናይ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ምኽትል ፕሬዝዳንት ብምዃን ክልተ ናይ ስልጣን ዘመን ኣገልጊሎም።ቅድሚኡ ድማ ናይ ዴላዌር ኣድመፅቲ ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰኔት ንሽዱሽተ ግዜ መሪፁዎም እዩ።

መጀመሪያ ምስ ተዓወቱ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብዓልቲ ቤቶምን ህፃን ጓሎምን ብሓደጋ መኪና ህይወተን ስኢነን፤ክልተ ኣወዳት ደቆም ክኣ ብከቢድ ቆሲሎም።

ሰኔተር ባይደን ለይቲ ምስ ክልተ ደቆም ሓቢሮም ከሕልፉ ሕድ ሕድ ምሸት ካብ ዋሽንግተን ዲስ ናብ ዴላዌር ንቴስዓ ደቓይቕ ብባቡር ይጉዓዙ ነይሮም።

ባይደን ናይ ደም ቧምቡኦም ንምፅጋን ክልተ ግዜ ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ተገይሩሎም።ኣብ 2015 ኣ\ፈ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዓብይ ወዶም ቦ ብናይ ሓንጎል ካንሰር ህይወቱ ስኢኑ።

ባይደንን ናይ ኮሌጅ ፕሮፌሰር ዝኾና ብዓልቲ ቤቶም ጂልን 70,000 ነበርቲ ኣብ ዘለዋ ናይ ዴላወር ከተማ ዊሊምንግተን ይነብሩ።እታ ከተማ መቐመጢ ተመራፃይ ፕሬዝዳንት እያ ነይራ።

ንዕኦም ዝሕልዋ መካይንን ዓሊሞም ተኮስትን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ይርኣዩ።

ነበርቲ ንተመራፃይ ባይደን ወዲ ገዛና ክብሉ ይፅውዑዎም።ናይ ነዊሕ ግዜ መሓዝኦም ቦብ ባይርድ ባይደን ናይ 1967 ዓ\ም ናይ ስፖርት መኪንኦም እናዘወሩ ኩልሻዕይሪኡዎም ከምዝነበሩ ይገልፁ።’’ቪኔት ኮርቨት መኪና ኣላቶ፤ኩሉ ግዜ፣መመሊሱ ክዝውራ ኢኻ ትሪኦ።እወ!ምዝዋር መኪና ይፈቱ እዩ’’ በሉ።

ሕዚ! ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝተመረፁ ኩሎም ፕሬዝዳንታት ብዕድመ ዝዓበዩ ወዲ 78 ዓመት ፕሬዝዳንት፣ቅድሚ ሎሚ ካብ ዘጋጠምዎም ረዘንቲ ፖለቲካዊ ብድሆታት ዝዓበየ ሓላፍነት ተሸኪሞም፣ነዛ ዝተኸፋፈለት ሃገሮም ንቕድሚት ክወስዱዋ ድልዊ እዮም።

XS
SM
MD
LG