ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀፈሪ ፌልትማን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ኮይኖም ተሸይሞም


ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ንኣምባሳደር ጀፍ ፌልትማን፣ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ከምዝሾሞ’ አማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዩናይትድ ስቴትስ ጃክ ሱሊቫን ኣፍሊጡ ኣሎ። ንሱ ዝሃቦ መግለጺ መደባት ኣምባሳደር ፌልትማን ‘ኣብ’ቲ ቅልውልው ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ንገብሮ ቀጻሊ ጻዕርታት፣ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ንክወጹ፣ ትግባረ ምቁራጽ ተጻብኦ ብኩሎም ወገናት ንኽግበር ከምኡውን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይደረት ንክባጻሕ ንሰርሓሉ ዘለና መደባት ዘጠናኽር ክኽውን እዩ’ ኢሉ። ብዘይካዚ፣ ‘መራሕቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘለዎም ምስሕሓብ ንክፈትሑን ዘለዎም ማያዊ ጸጋ ንክማቀሉዎ ነተሓሳሲብ። ዩናይትድ ስቴትስ ምስ መሻርኽትና ሃገራት ሓቢራ ንምስራሕ ከምኡውን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ሰላምን ምዕባለን ንክረጋገጽ ቅርብቲ እያ’ ይብል። ።

XS
SM
MD
LG