ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ዩ/ስ ጄፍርይ ፊልትማን ናብ ኢትዮጵያ ክብገስ እዩ


Jeffrey D. Feltman
Jeffrey D. Feltman

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ይገይሽ ከምዘሎ ሚንስትሪ ወጻኣ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ናብታ ርእሰ ከተማ ንግስግስ ኣለና ኣብ ዝብልሉን፡ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ህጹጽ ኣዋጅ ሓደጋ ኣብ ዝኣወጀሉን እዋን`ዩ።

ቀዳማይ ሚስንተር ኢትዮጵያ ግን እቲ መንግስቲ ተዓዊቱ ከምዝወጽእ ርግጸኛ` ኢሉ`ሎ። ' ኢትዮጵያ ኣይክትፈርስን` ኢትዮጵያ ክትብልጽግ` ኢትዮጵያ ብደምን ኣዕጽምትን ደቃ ተኸቢራ ክትንበር` ኢሉ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ።

ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ደብረጽየን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ ደለይቲ ኩናት ክቕጽልዎ ካብ ደለዩ ዘለና ኣማራጺ ንጸላእትና ብሓይሊ ምድምሳስ ጥራሕ` ኢሉ`ሎ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ዩኤስ ነድ ፕራይስ፡ ኩሎም ተቐናቐንቲ ወገናት ነቲ ውግእ ደው ከብልዎን፡ ህይወት ዜጋታት ክሕልውን ንጽውዕ ኢሉ`ሎ።

ኣተሓሒዙ፡ ናይ መገሻ መጠንቀቕታና ናብ ደረጃ 4 ኣደይብናዮ ኣለና፡ እዚ ማለት ድማ ዜጋታት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ ንመክር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታት ኣመሪካ ድማ ብዘለዋ ንግዳዊ ናይ መጓዓዝያ ተጠቒሞም ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ኣብ ግምት ከእትውዎ ንምዕድ ማለት` ኢሉ፡ ነድ ፕራይስ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ`ሎ።

ጉተረዝ ኣብ መልእኽቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተዛራረበን ቤት ጽሕፈቱ ድማ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝግበር ዘተ መገዲ ከጣጥሕ ድሉው ምዃኑን ንቀዳማይ ሚንስተር ከም ዝገለጸሉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኢትዮጵያ ንምብጻሕን ብዛዕባ ጕዕዞ ኣተሓባባሪ ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ምስ`ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝተዛራረቡን’ውን ጉተረዝ ኣብ መልእኽቲ ትዊተር ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG