ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩባንያ መጓዓዝያ ጃፓን መራኽቡ ብቐይሕ ባሕሪ ምሕላፍ ደው ምባለን ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ኩባንያ መጎዓዝያ ጃፓን መራኽቡ ብቐይሕ ባሕሪ ምሕላፍ ደው ምባለን ኣፍሊጡ። ቻይና`ውን ኣህጉራዊ መስመር ቀረባት ርግኣት ክህልዎ ኣገዳሲ`ዩ ትብል ኣላ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቶም ከሐይሉ ምዃኖም ድሕሪ ምሕንሓኖም`ዩ።

ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ፡ ከም ግብረ መልሲ ደብዳባት ኣመሪካን ብሪጣንያን፡ ንመራኽብ ኣመሪካ ሓዊሱ ዒላማታት ዝገብሮ መጥቃዕቲ ከስፍሖ ምዃኑ ኣጠንቂቑ`ሎ። ሑቲ ኣብ ኩናት ሓማስን እስራኤልን ምስ ፍልስጤማውያን ዘለዎ ሓድነት ንምርኣይ ነቲ ስጉምቲ ይወስዶ ከም ዘሎ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሑቲ ናስሩልዲን ኣሚር ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ መራኽብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ሕጋዊ ዒላማታት መጥቃዕትና እየን ኢሉ`ሎ። ኣቐዲሙ ግን ናብ እስራኤል ዘቕንዓ መራኽብ ጥራይ እየ ዘጥቅዕ ኢሉ ኔሩ።

ትማሊ ሰኑይ `ውን ንሓንቲ መርከብ ኣመሪካ ብሚሳይል ወቒዖም`ዮም። እንተኾነ ከቢድ ጉድኣት ኣይወረዳን። ሕጂ ብዙሓት መራኽብ ንመስመር ቀይሕ ባሕሪ ገዲፈን ብደቡብ ኣፍሪቃ ኮለል ክብላ ተገዲደን ኣለዋ። መጎዓዝያ መራኽብ ጃፓን ብቀይሕ ባሕሪ ምሕላፍ ደው ዘበለ ዳሕራዋይ ኮይኑ`ሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት የመን ኣይዳሮስ ኣል-ዙበይዲ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካይዶ ቃለ-መጠይቕ ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓለዋ መጎዓዝያ ቀይሕ ባሕሪ ድኹም`ዩ፡ ምኽንያቱ ከም ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ግብጽን ዝበላ ሓያላት ሃገራት ስለዘየሳተፈ ይብል። ንሱ ወሲኹ መስመር ባብ-ኤል መንደብ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት`ውን ክሳተፋሉ ኣገዳሲ`ዩ ይብል።

ቀዳማይ ሚንስተር ቐጠር ሸክ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል-ጣኒ ብወገኑ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ዝቓናዕ ዘሎ መድረኽ ቁጠባ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝግበር መጥቃዕቲ ጠጠው ከብሎ ኣይክኣልን`ዩ፡ እንታይ ድኣ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኲናት ደው ብምባል`ዩ ክፍታሕ ዝኽእል ኢሉ።ቻይና`ውን ኣህጉራዊ መስመር ቀረባት ርግኣት ክህልዎ ኣገዳሲ`ዩ ትብል ኣላ።


ኣስታት 12 ሚእታዊት መጎዓዝያ መራኽብ ዓለም ብቀይሕ ባሕሪ`ዩ ይሓልፍ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG