ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መገሻ ቀ/ሚ ጃፓን ኣብ ኢትዮዽያ ተዛዚሙ


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner
ቀ/ሚ ጃፓን ኢንዞ ኣቤ፣ኣብ ኢትዮዽያ ናይ ክልተ መዓልታት መገሻ ሎሚ ሰሉስ ፈፂሞም፣ንውልቀ-ዘፈርን ልምዓትን ኣፍሪቃ ሃገሮም ትልግሶ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ንሶም ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ኣብ ቶክዮ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፣ንኣህጉረ ኣፍሪቃ ክሪኣ‘የ ኢሎም ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል ከምዝመፁን ቃሎም ከምዘየዕበሩን ጠቂሶም።

ጃፓን ንኣፍሪቃ ትልግሶ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቅፅል‘ውን ገሊፆም ቀ/ሚ ሺንዞ ኣቤ።ኣብ‘ዘን ዝመፃ ሓሙሽተ ዓመታት ሃገሮም ንኣፍሪቃ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከምትህብ‘ውን ሓቢሮም።

ኣፍሪቃውያን ኣብ ጃፓን ዝማሃርሉ ፕሮግራም ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀ/ሚ፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ፅቡቅ ደረጃ‘ዩ ዝርከብ ኢሎም ሺንዞ ኣቤ።

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንጃፓን ካብ ድሕረት ዘናገፋ ፕሮግራም ካይዘን ኣብ ኣፍሪቃ‘ውን ይረብሕ ከምዘሎን፣ኣብ ትግባረ’ቲ ፕሮግራም ኩባንያታት ጃፓን ወሳኒ ተራ ኣለወን ኢሎም ብቱርጁማን ኣብ ዘቅረብዎ መደረ።

”ናብ ኣፍሪቃ ዝኣትዋ ኩባንያታት ጃፓን ንፕሮግራም ካይዘን ከይሰነቃ ከምዘይመፃ ኩላትኩም ክትርዱኡልና ንደሊ ኢና” ኢሎም።

ኣንፈት ጉዕዞ ምዕባለ ጃፓን ንቀልቢ ኣሙሁራት ኣፍሪቃ ይስሕብ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ‘ዮም።ደራሲ ከበደ ሚካኤል ንዘዳለውዋን ”ጃፓን ብከመይ ማዕበለት?“ ንትብል መፅሓፉን‘ውን ጠቂሶም።

“ኣብ ሞንጎ ትምህርቲን ህንፀት ኢንዱስትሪን ጃፓን ዘሎ ፅኑዕ ምትእስሳር፣ ንቀልቢ ሙሁራት ኣፍሪቃ ማሪኹ‘ዩ።ካብ ሞንጎና በዚ ስነ-ሓሳብ‘ዚ ዝተማረኸ ሙሁር ዶ/ር ከበደ ሚካኤል‘ዮም” ኢሎም ንሶም።

ቀ/ሚ ኢንሶ ኣቤ፣ጃፓን ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተፈጥረ ህውከት ንምድቃስ ክንዲ ዝካኣላ ከምትፅዕርን ንጊዚኡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 25 ሚልዮን ዶላር ከምዝሃበትን ኣብ መደረኦም ጠቂሶም።

ምስ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዘካየድዎ ልዝብ ድማ፣ኣዲስ ኣበባን ቶክዮን ብቀጥታዊ በረራ ንምርኻብ ተሰማሚዕና‘ለና ኢሎም።

ኢንሶ ኣቤ ትማሊ ምስ ቤተ-ሰብ ኣትሌት ኣበበ ቢቂላ ተራኺቦም።ኣበበ በቂላ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተዓወተሉ እዋን ንዝተላዕለ ፎቶግራፍ‘ውን ህያብ ተቀቢሎም።ሽዑ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከምዝነበሩ ዝጠቀሱ ኢንዞ ኣቤ፣ነቲ ኣበበ ዝተዓወተሉ ውድድር ከምዝተኸታተሉን ሎሚ ብኣድናቆት ከምዝዝክርዎን ጠቂሶም።

ንኣበበ በቂላ ምሒር ኣድናቆት ስለዝሓደረኒ፣ናይ ሽዑ ኣዕርኽተይ ኣበበ እናበሉ የላግፁለይ ነይሮም‘ውን ኢሎም መራሒ ጃፓን ኢንሶ ኣቤ።ቀ/ሚ ሺንሶ ኣቤ መገሻ ኢትዮዽያ ፈፂሞም ሎሚ ተበጊሶም‘ለው።
XS
SM
MD
LG